Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ቀይሕ መስቀል 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሙሉእ ናውቲ ሕክምና ዝተማለአሎም 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ሽዱሽተ ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ።

እተን ኣምቡላንሳት÷ ብሓገዝ ትካል ሰብኣዊን ሲቪል ሓለዋን ሕብረት ኣውሮፓ ከምኡ እውን ብኤጀንሲ ልምዓት ኦስትሪያ ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኣርባዕቲአን ኣምቡላንሳት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከባቢ ባምባሲን ዳንጉርን ንዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ግልጋሎት ክህባ ኢየን ተባሂሉ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ጌታቸው ታኣ ከምዝገለፁዎ÷ “ሎሚ ካብ ዝተረከብናዮም ኣምቡላንሳት ብተወሳኺ ንዝቕፅሉ 18 ኣዋርሕ 10 ኣምቡላንሳት ንመካየዲ ስራሕ ዝሽፍን ወፃኢ ሓገዝ ተገይሩ”።

ተወካሊ ቀይሕ መስቀል ኦስትሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ተመስገን ኣበበ እቲ ሓገዝ እንተረክቡ ከምዝበሉዎ÷ እተን ኣምቡላንሳት ን22 ሺሕን 500 ሰባት ግልጋሎት ክህባ ዝኽእላ ኢየን፡፡

Ethiopia

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *