Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ሰራሐተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡

11 ሕዳር 2016 ዓ/ም ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኽቡ ዝተመስረተ ማሕበር ሰራሐተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣብ ዘለሉ እዋን ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ምምስራቱ ፤ መሰልን ግቡእን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዘራጋግፅን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፀገማት ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምፍታሕን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዝቦም፡፡

ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ብዘይ ምውዳቡ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ተቃሊዑ ከምዝፀነሐ ዝገለፁ ግዝያዊ ኣቦወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ኪዱ ቀንዲ ዕላማ ምምስራት እታ ማሕበር ግቡእ ግልጋሎት ንሕብረተሰብ ብምሃብ መሰልን ረብሓን ሰራሕተኛታት ምርግጋፅ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዘሎ ሓድነት ዘጠናኽር እዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብወገኖም እቲ ማሕበር ምምስራቱ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዝለዓለ ረብሓ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም፡፡

ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባተ ዕዮ መንግስቲ ዝተወከሉ ልዕሊ 2ዐዐ ኣባላት ሓቑፉ ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ከምዝተመስረተ ድማ ኣብቲ ዝተሳለጠ ጉባኤ ተሓቢሩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *