Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ልምዓት ፈረስማይ ሓሓይለን ከባቢኣን ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ብጥሜት ዝመውት ቁፅሪ ይውስክ ብምህላው ካብ ሐዚ ጀሚርና ንህዝቢ ክንበፅሐሉ ኣለና ተባሂሉ፡፡

ማሕበር ልምዓት ፈረስማይ ሓሓይለን ከባቢኣን ኣብ መፋርቅ 2001 ዓ/ም ብተወለድቲ እቲ ከባብን ፈተውቲ ልምዓትን ዝተመስረተት ማሕበር እንትትኸውን ኣብ ህዝቢ ዘለው ፀገማት ንምቕራፍ ዓሊማ ከምእትሰርሕ ምክትል ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣረጋይ ለገሰ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዕለት ዕዱም ጋሻ ዝነበሩ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣይተ ሰለሞን መዓሾ እታ ማሕበር ቅድም ክብል ፀገማት ህዝቢ ንምቅላል ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ብምንኣድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኩናት ዝበፅሐ ዕንወት ሰፊሕ ብምኻኑ ብዙሕ ስራሕቲ ምሕዋይ ንክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ካብ ሞት ንምድሓን ንፅባሕ እንከይ በልና ካብ ሎሚ ጀሚርና ናብ ስራሕ ክንኣቱ ኣለና ክብሉ መልእክቶም ዘሕለፉ ድማ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓሓይለ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር እዮም፡፡

እታ ማሕበር ህዝቢ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ካብ ሞት ንምድሓን ቀፀልቲ ስራሕታ ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ምምሕዳራዊ ደንብታት ብምፅዳቕን ማሕበር ልምዓት ፈረስማይ ሓሓይለን ከባቢኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ስም እታ ማሕበር ብማሕበር ልምዓት ሓሓይለ ተቐይሩ ንክቕፅል ተወሲኑ፡፡
ብኣበባ ፅጋቡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *