Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ኣብ መምርሒ ምቹው ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ምቹውን ዘላቒ ዕድል ንምፍጣርን ዝግበር ፃዕሪ እናሓገዘ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጠን፡፡

እቲ ሕዚ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ምሕደራ ፍልሰት ሰራሕተኛ ምምሕያሽ ከምኡ እውን ከእለት ዝመርሖ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምዕባይ ከምዘኽእል ኣብሪሀን፡፡

ፍሉይ ተወካሊ ቢሮ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣሌክሲዮ ሙሲንዶ÷ ብሓባር ንምስራሕ ዘርአዩዎ ቆራፅነትን ተበግሶን እውን ንኢደን፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *