ህዝቢ ትግራይ ንወፅዓ ኣሜን ኢሉ ዘይቕበል ህዝቢ ስለዝኾነ ታሪኩ ታሪክ ቃልስን ዓወትን አዩ። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ጎሊሁ ዝሓልፍ መለለይ ክብሩ ድማ ጀግንነት አዩ። ኣብ ቀዳማይ ወያነ ክቡር ታሪክ ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ዳግማይ ወያነ ድማ ወፅዓ ብዝወለዶ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) እናተመርሐ ኣሃዳዊ ስርዓት ደርጊ ኣልዩ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ምሕደርኡን ኣረጋጊፁ እዩ።
ህወሓት ኩሉ ነገር ዝካኣል ኣብ ዘይመስለሉን ንኽትሓስቦ ሕልሚ ኣብ ዝመስልን ኩነታት ተበግሶ ወሲዱ በረኻ ደደቢት ወሪዱ ምጅማር ኣንፃር ደርግ ናይ ዝካየድ ብረታዊ ቃልሲ እንተበስር ዘይመውት ዕላማን ዘይቑፀ ቅዋምን ሒዙ ዝተበገሰ ፅኑዕ ውድብ ምዃኑ ገና ካብ ሰናይ ጉሓቱ ኣመስኪሩ እዩ።
ህወሓት ስርዓት ደርጊ ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 17 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ተጋድሎ መሪሑ ኣብ ምዕዋት ዝተፃወቶ ጅግንነታዊ ፖለቲካውን ወታደራውን ብጽሒት ኣብ ክቡር ናይ ቃልሲ ማህደር ተመዝጊቡ ክነብር ገይርዎ አዩ።
ኮይኑ ድማ እቲ ብውሑዳት ደቂ ህዝቢ ተጋደልቲ ዝተመስረተ ውድብ ሚልዮናት ብዘዕስል ዕላምኡ በዚሑን ሰሲኑን ካብቲ ፍልፍል ፅንዓቱን ውልደቱን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ሓሊፉ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሐበነ ቅያ ፈፂሙ እዩ።
ስዒቡ ድማ ብርክት ዝበሉ መሰላቱ ዘረጋገጸሉ ሕገ መንግስቲ ክፀድቕን ብኡ መሰረት ብዝተመስረተ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ብዝተሓፈሱ ፍፃመታት ፍርያት ቃልሱ ተቋዳሳይ ክኸውን ጀሚሩ ምንባሩ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ምዕራፋትን ዘይተፈትሑ እናተዋህለሉ ብዝመፁ ውሽጣውን ግዳማዊን ፖለቲካዊ ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ክባር ዋጋ ከፊሉ እናሃለወ ብቓልሱ ዘረጋገፆም መሰላት ናብ ሓደጋ ብምውዳቖም ተወሳኺ መሪር ዋጋ ኣብ ዘኽፍል ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ክኣቱ ተገዲዱ እዩ። እቲ ክባር ዋጋ ዘኽፍል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝተፈላለዩ መበገስታት ዘለዉዎ ‘ኳ እንተኾነ – ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዘሎን መጓነዪ ዝኾነ ስርዓት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝግለፅ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ህዝቢ ትግራይን ፀቕጥን ኩለመዳያዊ መጥቃዕትን ምክያዱ እቲ ዝዓበየ ፀገም እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ናይ ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳርን መሰላቱ ከሕድጉ ተመሊሶም ዝመፁ ጓዕፀፅትን ጨፍለቕትን ባህርይን ተግባርን ዝተላበሱ ኣሃዳውያን ሓይልታት መኪቱ ዓርሱ ንምክልኻል ናብ መኸተ ክኣቲ ተገዲዱ እዩ።
ኣብዚ ወሳኒ ናይ መኸተ እዋን ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ህዝቡን ህዝባዊ ሰራዊቱን [TDF] ኮይኑ ከም መንግስትን ውድብን ህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ሓደራ ከይጠለመ በረኻ ወፊሩ ተቓሊሱን ኣቃሊሱን እዩ። ካብ ኣባላቱ ክሳብ መሪሕነቱ ድማ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንተነኣሰ ካብ ምምብርካኽ ወፂኡ ዝተጠሓሱ መሰላት ንክኸበሩ ናብ ዘኽእል ዝርርብ “ዘተ” በፂሑ እቲ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ህወሓት ዝለዓለ ብጽሒቱ ተጻዊቱ እዩ።
ፀላአቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህዝብና ወዲ ሰብ ክግምቶ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ብዙሕ ጉድኣት ኣብፂሖም እዮም። ኣሽሓት ቀቲሎም፣ ኣካል ኣጉዲሎም፣ ብጉጅለ ኣዴታትናን ኣሓትናን ዓሚፆም፣ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ደፊሮም ፣ ኣሽሓት ካብ መረበቶም ኣፈናቒሎም ፣ ንብረት መንግስቲ፣ ህዝቢ፣ ናይ ሃይማኖት ቅርስታትን ወሪሮም፣ ኣቃፂሎምን ኣዕንዮምን፣ ህጻናት ናብ ትምህርቲ ከይኣትው ክታበት ከይረኽቡን ገይሮም። ናውቲ እቶት ሓረስቶት ኣቃፂሎም፣ ጥሪቱ ሓሪዶም በሊዖም – ህዝቢ ትግራይ ብኹሉ መንገዲ ቅስሙ ክስበርን ተመፅዋታይ ክኸውንን ገይሮሞ እዮም።
ነዚ ሐዚ ዝንሄናዮ ምዕራፍን ኩነታትን ዝምጥንን ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩነታት ዘሳግርን ቅልፅም ከም ዘድሊ ኮለል ኢሉ ዝረአ ሓቂ እዩ። እዚ እምነት እዚ እምነት ኩሉ ደላዪ ፅቡቕ ትግራይ ምዃኑ ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር – እንታይ ስትራተጂ ሓንፂፅካ ፣ ብኸመይ ተወዲብካ ፣ እንታይ ዓይነት ኣንፈት ዘለዎ ምንቅስቓስ ተኸቲልካ ነዚ ኹነታት ምሕላፍን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምብፃሕን ይከኣል ኣብ ዝብል ሓሳብ ካብ ፖለቲካዊ ውዳበታት ጀሚሩ ክሳብ ውልቀ ሰባት ኢሉ እውን ከም ህዝቢ ዝተፈላለዩን ዝተበታተኑን ሓሳባት ክህልዉ ወይ እውን ግልፂ ዝኾኑ ንቕድሚት ዝወፁ መፍትሕታትን ኣንፈታትን ዘይስተውዓለሉ ኩነታት ክረአይ ክኢሉ እዩ።
ነዚ እዩ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም እንነብር ብድልየትን ዓርሰ ተበግሶን ዝተኣኻኸብና ደገፍቲ ህወሓት ተራኺብና ብምዝታይ ዝረአዩ ጎደሎታት ብቓልሲ እናስተኻኸልካ ንህ.ወ.ሓ.ት ምጥንኻር የድሊን ይግባእን ዝብል እምነት ዓቲርና ነቲ መድረኽ ምስጋር ከም ዝከኣልን ከምዝግባእን ኣሚንና ቀፃሊ ፖለቲካ ትግራይ ዝሐሸ ክኸውን ንምግባር ክንንቀሳቐስ ተላዒልና ዘለና። ናይዚ ጀሚርናዮ ዘለና ምንቅስቓስ ስም ድማ “ፎረም 11 – ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ ደገፍቲ ህ.ወ.ሓ.ት” ክበሃል ተወሲኑ ኣሎ። ፎረም 11 መሰረታዊ ውዳበ፣ ፖለቲካዊ ውድብ ፣ ኮር ወይ ማሕበር ኣይኮነን። ፎረም እዩ። ብዝኾነ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ኣመራርሓ ኣካል ዘይኮነስ ብናይ ባዕሉ ሕጊን ባዕሉ ብዝመረፆም መራሕትን ዝምራሕ ምስ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት እናተናበበ ዝሰርሕ ናፃ ናይ ደገፍቲ ህ.ወ.ሓ.ት ምንቅስቓስ አዩ።
ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ኣብ ጭቡጥ ፅንዓት ተመስሪትካ ኣብ ውሽጢ ህ.ወ.ሓ.ት ዝረአዩ ናይ ኣረኣእያ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ጉድለታት እናተቓለሰ ንህ.ወ.ሓ.ት ብዲፕሎማሲ፣ ብኣረኣእያ፣ ብፋይናንስ፣ ብሓይሊ ሰብን ካሊእን ምጥንኻር እዩ።
ኣብዚ ሐዚ ሰዓት “ንምንታይ ንህ.ወ.ሓ.ት ምድጋፍ ኣድለየ” ዝብል ቅኑዕ ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። ፎረም 11 “ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ፕሮግራሙ ዘስፈሮም ዕላማታት ምስ እዋኑ እናማዕበሉ ክኸዱ ምግባር የድሊ እዩ። ስትራቴጂኡ ተራ ዜጋ ብዝርደኦ መልክዕ ብግልፂ ክሰፍር ይግባእ” ዝብል እምነት ‘ኳ እንተሃለዎ ህ.ወ.ሓ.ት ንህዝብን ንዝተፈላለዩ ውዳበታትን [እንኮላይ ንተናሓናሕቲ] ዝጠቕሙ መሰላት ኣብ ፕሮግራሙ ኣስፊሩ ዝተበገሰ ፣ ቡዙሓት መስዋእቲ ዝኸፈሉሉ ፣ ሕድሪ ህዝቢ ትግራይ ዝተሸከመ ፣ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ንምስጋር መሪሑ ከዕውት ዝኽእል ሰፊሕ ልምድን ዓሚቕ ዓቕምን ዘለዎ ብምዃኑን እዩ። ውድብን መንግስትን፣ ውድብን ህዝብን ዝተፈላለዩ ይኹኑ እምበር ፤ ሐዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ህ.ወ.ሓ.ት ካብ ህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ንምርኣይ ኣብ ዘፀግመሉ ኩነታት በፂሑ ምህላው ዘይከሓድ ሓቁ ይኸውን ኣሎ። ስለዚ ንህ.ወ.ሓ.ት ምጥንኻር ኣብኡ እንተሎ ንህዝቢ ትግራይ ምጥንኻር እውን ማለት እዩ።
ስለዚ ኣብ መላአ ዓለም ዘለኹም ደቂ ትግራይ – ብፍላይ ድማ ሙሁራት መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባትን ዝተፈላለየ ሃይማኖት ተኸተልቲን ኣብዚ ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ዓቕምኹም ዝፈቐዶ ኣበርክቶ ብምግባር ታሪኻዊ ጉቡእኹም ክትፍፅሙ ኣባል “ፎረም 11 – ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ደገፍቲ ህ.ወ.ሓ.ት” ንኽትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ፎረም 11 – ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ደገፍቲ ህ.ወ.ሓ.ት
ጊዚያዊ ዓለምለኸ ቦርድ
