Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መግለፂ ኣኼባ ማእከላይ ኮሜቴ ውናት

ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ካብ ሚያዝያ 28 ክሳብ ጉንበት 3/2015 ኣ/ግ ንተኸታታሊ ሽዱሽተ መዓልታት ዘሳለጦ ኣኼባ ብኣድማዕነት ዛዚሙ። ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተቆራረፁ ኣኼባታት እናሳለጠ መፅዩ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ምሉእ ምዘናን ኣመተን ንምግባር ዘኽእሉ ኣይነበሩን። ብምዃኑ ድማ ቀፃሊ ኣንፈት ቃልስን እዋናዊ ጠለባትን ንምዉሳን እዚ ናይ ሎምቅነ ኣኼባ ኣገዳሲ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣብዚ ንሹዱሽተ መዓልታት ዝተሳለጠ ወሳናይ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ቀፂሎም ዘለው ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ ኣሎ፦

  1. ካብ ጉባኤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ገምጊሙ ንዝበለፀ ውፅኢት ኣንፈት ምትዕርራያት ነፂሩ።
  2. ካብ ፈለማይ ጉባኤና ጀሚሩ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣቦ ወንበር ውድብና ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይተ ግርማይ በርሀ ካብ ሓላፍነቶም ብኽብሪ ክሰናበቱ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሉ ዶክተር ደጀን መዝገበ ክሳብ ቀፃሊ ጉባኤ ሓዱሽ ኣቦ ወንበር ኮይኖም ክሰርሑ ወሲኑ።

3.ንውዕል ፕርቶርያ ስዒቡ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዱሽ መድረኽ ቃልሲ ናፅነት ዝጠመተ ኣንፈት ቃልስን ስትራቴጂን ተመያይጡ ኣፅዲቑ።

4.ምስ እዚ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ተተሓሒዞም ዝመፁ ዛዕባታት ማለት እውን ከም ጉዳይ ተሓታትነትን ካሕሳን፣ ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነትን ምምላስ ተመዛበልትን፣ ጉዳይ ዳግመ ሕውየት ትግራይን ምርግጋፅ ስርዓታዊ ለውጥን ኣውራ መተኩሮታት ቃልስና ክኾኑ ዘትዩ ወሲኑ።

5.ውድብና ዝምርሓሉ Liberal Democracy/ሓራ ዴሞክራስን Nationalism/ብሄራውነትን ዘዋደደ ስነ-ሓሳብ ፀፊፉን ዓሚቑን ንጉባኤ ኣቕሪቡ ከፅድቕ ወሲኑ።

  1. ውድባዊ ቅርፅን መሓውርን ውድብና ምስቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ጉባኤ ዝፀድቕ ስነ-ሓሳብ ዝሳነ ኮይኑ ክመሓየሽን ክቕረፅን ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣፅዲቑ።
    በዚ መሰረት፤ መላእ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዓድን ወፃእን ዝነብር ህዝብና፤ ኣብ ጎኒ ውድብና ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ተሰሊፎም ልዕሊ ዝኾነ ግዘ ዝተዋደደን ሓቦ ዝተመልኦን ቃልሲ ክዓሙን እዞም ዝተዘርዘሩ ስትራቴጂክ ዕላማታት ንምዕዋት ብሄራዊ ግብኦም ክፍፅሙን ማከላይ ኮሚቴ ውናት ይፅውዕ!
    ባህጊ ሃገርነት ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ኣይኽበስን!

ማእከላይ ኮሜቴ ውድብ ናፅነት ትግራይ
4 ጉንበት 2015
መቐለ
ትግራይ
ናፅነት – Tigrai Independence Party

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *