መግለፂ ሳይበር ፓወር ሚድያ ትግራይ ===
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሕገ መንግስቲ ጥሒሱ መሬት ትግራይ ምውራሩን ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ንፁሃን ተጋሩ ምፍንቃሉን ምቅታሉን ከይኣክሎ ሎሚ እውን ብትዕቢት ላእላዊ ግዝኣት ትግራይ ዝደፍር ካርታ ስርዓተ ትምህርቲ ሓንፂፁ ውድዓዊ ብምግባርን ኲናት ፃሕታሪ መገለፂ ወሲኩ ኣውፂኡ ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራል ሕጊ ንምክባር ብዝብል ዒባራ ሽርሒ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት መሬት ትግራይ መንጢሉ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ክፀንሕ ምግባሩ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪካዊ በሰላ እናገደፈ እዩ ። ምምሕዳር ትግራይ ናብ ግዝኣቱ ከይኣቱ ብ ሰም መጭቃጨቂ ቦታ ዝብል ፀሓይ ዝወቀዖ ሸፈጥ መንግስቲ ኣብይ መሬት ትግራይ ንሓይልታት ኣምሓራ ይኩን ንሓይልታት ፌደራል ኣመሓላሊፉ ምሃቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ብቀፃሊ ይፍፀም ምህላው ክፍለጥ ይግባእ።
ፌደራል መንግስቲ ፡ መሬት ትግራይ ብሓይሊ መንጢልካ ንሓይልታት ኣምሓራ ብምሽላም ዝፀንዕ ስልጣን ይኩን ዝህነፀ ዓዲ ከምዘይህሉ ክፈልጥ ይግባእ። ብመሰረቱ ሕቶ ሓይልታት ኣምሓራ ኣሃዳዊ ኣምሓራዊት ስርዓት ምትካል እምበር መሬት ትግራይ ብምሽላም ጠጠው ዝብል እውን ኣይኮነን።
ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ
1) መንግስቲ ፌደራል ሕገ መንግስቲ ከክብርን ሕገ መንግስታዊ ግዛኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምልስን ሕገ መንግስታዊን ታሪካውን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይፅውዕ!
2) ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዘይፍትሓውን ዘይሓቃውን ሕቶ ብምልዓል መሬት ትግራይ ብሓይልን ሽፈጥን ንምውሳድ ክብል ዝፈጥሮ ፃሕታራይ ኲናት ዘላቂ ክልቱኡ ህዝብታት ረብሓ ዘየረጋግፅ ምኳኑ ተረዲኡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ሕቶታቱ ጠጠው ከብል ይፅውዕ!
3) ተነሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብዴሞክራስያውን ስልጡኑን መንገዲ ብምግናሓ ኣብ መሰረታዊ ምውሓስ ረብሓት ትግራይ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ቃልስኩም ብሓባር ክትሰርሑን መሬት ዓደቦ ከተወሑሱን ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ ብፅኑዕ ይፅውዕ።
19 መጋቢት 2016 ዓ/ም
ሳይበር ፓወር ሚድያ ትግራይ
