ብፅንተታዊ ኹናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ፡ ሐዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ መከርኡ ካብ ተፈጥሮ ዋሕዲ ዝናብ ዝነቅል ሓደጋ ጥሜት ኣንፀላልዩዎ ኣብ ከቢድ ናይ ምህላውን ሞትን ፀበባ ይርከብ። ኣብ ጣብያታት ቆላ ተምቤን ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት ህዝብናን ጥሪትን ድማ ዋና ኣብነት እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ድሩት ምዃኑ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ካብ ምዃን ሓሊፉ ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ሞትን ጉድኣትን ዘስካሕክሕ ከይኸውን የስግእ።
ህዝቢ ንምድሓን ንግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ኩሉ ዝምልከቶ ክረባረብ ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ተራድኦ ትካላትን ወለንታውያንን ህዝብና ኣብ ናይ ምድሓን ስራሕቲ ብህፁፅ ክወፍሩ ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
28 ሓምለ 2017
ትግራይ፡ መቐለ
