Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መጉዳእቲ ዘለዎም ተጋደልቲ ትግራይ ካብ ዘለዎም ፀገም ንምውፃእ ኩሉ ዝኸኣሎ ክፍፅም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ደጀን ሆስፒታል ሓይልታት ትግራይ ምስ ዓወት ልጃለምን መምህር ሙሉ ሃ/ስላሴን ብምትሕብባር ጉድኣት ንዘለዎም ተጋደልቲ ትግራይ ይወሃብ ኣብ ዘሎ መነቓቕሒ ስልጠና እዩ።

ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ደጀን ሪፈራል ሆስፒታል ተጋዳላይ ሙዑዝ ኣስገዶም፣ መጉዳእቲ ዘለዎም ተጋደልቲ ትግራይ ካብ ዘለዎም ፀገም ንምውፃእ ኩሉ ዝኸኣሎ ክፍፅም ከምዝግባእ ሓቢሩ።

መጉዳእቲ ዘለዎም ተጋደልቲ ትግራይ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ኲናት ፅንተት ትግራይ ዘጋጠሞም ሰነ -ልቦናውን ኣካላውን ጉድኣት በዲሆም መርኣያ ጅግንነቶም ከመይ ክቕፅል ይኽእል ኣብ ዝብል ተሞኩሮ መጉዳእቲ ዘለዎም ዕውታት ውልቀ ሰባት ዝሓዘ ስልጠና ብበዓልሞያ ሕግን ፀሓፍን ዓወት ልጃለም ይቐርብ ኣሎ።

ተጋዳላይ ሙዑዝ ኣስገዶም ንጉድኣት ተጋደልቲ ትግራይ ዝወሃብ መነቓቕሒ ስልጠና ይህቡ ንዘለው ኣካላት ዘመስገነ ኮይኑ፣ እቲ ስልጠና ቐፃሊ ክኸውንን ናይ ኩሉ ግደ ክሕወሶን ከምዝግባእ ኣመላኺቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *