Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!

Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መድረኽ ዝኽሪ ሰማእታት ይሳለጥ ኣሎ !!

ዝኽሪ ሰማእታት ንሕውየትን ፍትሕን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ዝተዳለወ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ፕሬዘዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ይሳተፋ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታረኽ ቃልሲ መስዋእትን ዓወትን እዩ። ቃልሲ 17ዓመት ፋሉይ ዝገብሮ ብዝተወደበን ብሳይንሳውን ዝተመርሐ ምዃኑ እዩ ኢሎም።

ብተወሳኪ እቶም ፕረዚደንት ንዘይተርፍ ዓወትን ቃል ሰማእታት ንምትግባርን ቃል ንእቶ።ህዝቢ ትግራይ ኣሽሓት ንመስዋእቲ እናገበረ ክቅፅል ኣይግበኦን ብምባል፣ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ከንቱ ከምዘይተርፍ ዘረጋግፅ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባኣና ኢሎም።

ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን መርድእ ጀጋኑ ሰማእታትና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብኽብሪ ዕላዊ ንምግባርን እናሰረሐ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

#ሃፍቶም ገ/ዮሃንስ

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *