ኣብ ውሽጢ ህወሓት ንዘጋጠሙ ፀገማትን ፈተናታትን ንምፅራይ ውድብ ኣድሒንኻ ንመድረኻዊ ተልእኽኡ ንምብቃዕ ሰፋሕቲ መድረኻት ምፅራይ፣ ገምጋምን ምንቕቓፍን እናተኻየዱ ከምዝፀንሑ ወሃቢ ቃል ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣዘኻኺሮም፡፡ ከም ኣገላልፃ ኣይተ ኣማኑኤል፣ ኣብ መጋቢት 2016 ዓ.ም ካብ መላእ ትግራይ ምስ ዝተውፃእፅኡ ተመሳሳሊ መድረኽ ከምዝተኻየደ፣ ኣብቲ እዋን ውድብ ንምድሓን ዝተኸየደ ርሕቐት ዝምልከት ድማ ምስ መላእ ካድረ ማለት እውን ምስ መላእ ኣመራርሓ ናይቲ ውድብ ምይይጥ ተኻይዱ ነይሩ፡፡
ኣብቲ እዋን ብዙሓት ጉዳያት ተላዒሎም ምንባሮም ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣማኑኤል፤ ነቲ ዝተኻየደ ገምጋም ዘዕሙቕ፣ ዘይተረኣዩ ጉዳያት ዝርኢ፣ ንዕኡ ብምሓዝ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ምስዘለዉ ኣባላትን ኣመራርሓን ከምኡ እውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሎም መድረኻት ከምዝተኻየዱ ሓቢሮም፡፡
ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ 2011 ዓ.ም ዝተኻየደ መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ናብ ሽዱሽተ ዓመቱ ይፅጋዕ ኣሎ፡፡ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ብወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት ከይተኻየደ ፀኒሑ እዩ፡፡ እዚ ዝፈጠሮ ድማ ዝተዋህለሉ ፀገማት ኣለዉ፡፡ እቲ ውድብ እውን ነዞም ፀገማት ኣለልዩ፣ መላእ ኣባል፣ ኣመራርሓን ህዝብን ዘሳተፉ መድረኻት እናካየደ ፀኒሑ ሕዚ ናብ ጉባኤ ኢና ንኸይድ ዘለና ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል፤ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ኣብ ድርኩኺት ጉባኤ ኾይንና መላእ ኣመራርሓ ናይዚ ውድብ ፀዊዕና ብሓባር ንምምይያጥን ጉባኤ ንምክያድ ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
ከምመብርሂ ኣይተ ኣማኑኤል፤ መጀመርያ ኣመራርሓ ክልልና ማለት እውን ኣመራርሓ ሰራዊት፣ ዝተተክኡ ኣመራርሓ፣ ኣመራርሓ ውድብ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝተሳተፍሉ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝገበረ ሰፊሕ መድረኽ ተኻይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ዓበይቲ ጉዳያት ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣማኑኤል፤ ካብቶም ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ዓበይቲ ጉዳያት ድማ ንመላእ ኣመራርሓ ብምስታፍ ፀገማት ውድብ ብምልላይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንምውፃእ ዘኽእል ቁመና ብምፍጣር ናብ ጉባኤ ንምኻድ ቀንዲ ዛዕባ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብመሰረት እዚ፤ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ክሳብ ሕዚ ዝተርኣዩን ዝተገምገሙን ጉዳያት ብደንቢ ኣዕሚቑ ብምርኣይ ውድብ ህወሓት መፍትሒ ኣንፈታት ኣቐሚጡ ኣብ ጉባኤኡ ውሳነታት ከዕርፍ ዘኽእሎ መደላድል ክፈጥር ዓብይ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ኣይተ ኣማኑኤል ሓቢሮም፡፡
W
