ምምሕያሽ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ፡ ኣብ ምዝማንን ምዕራይን ምሕደራ ፡ ስራሕቲ ፍትሒ ካብ ፓለቲካዊ ፅሕንቶ ንምልቓቕን ፡ ሲቭል ሰርቪስን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ምምሕያሽ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ሎሚ 6 ለካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ፡ ፖሎቲካዊ ውድባት ትግራይ ፡ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሙሁራት ትግራይን ዝተረኸቡ ኮይኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይቲ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስ ሃናስ ሰርዋ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እናተሳተፉ እዮም ።
