Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መደብ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ምስ ሂማልያ ካታራክት ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ብምዃን ካብ 14 ክሳብ 20 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብሕማም ሞራ ዓይኒ ዝተጠቕዑ ወገናት ግልጋሎት መጥባሕቲ ሕክምና ከም ዝህብ ኣፍሊጡ።

እዚ ግልጋሎት ሕክምና ሕማም ሞራ ዓይኒ ን2ይ ዙር ከም ዝዋሃብ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዂሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ እቶም ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽቡ ወገናት ካብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ ዝተመልመሉ እንትኾ በዝሖም ካብ 700 ክሳብ 1000 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ክግበረሎም ምድላዋት ከም ዝተወገነ ሓቢሮም።

እቶም ግልጋሎት ሕክምና ክግበረሎም ዝተነፀሩ ኣካላት ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ሙሉእ ወፃኢኦም ከም ዝሽፈነሎም ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ በቢብርኩ ናብ ካልኦት ዞባታት እውን ስለ ዝቕፅል ካብ ዞባ ምብራቕ ወፃኢ ንዝመፁ ወገናት ግልጋሎት ሕክምና ስለ ዘይዋሃብ ንዘይተደለየ ወፃኢታት ከይሳጥሑ መልአኽቶም ኣሕሊፎም።

ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *