Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መደራደርቲ ኣካላት ንሙሉእ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ፅዕንቶ ከሕድሩ ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ሓላፊ ካቢኔ ሰክሪተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂዎት ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እንትኸውን ፣ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ፣ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ኮይኑ ግፍዕታት ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝብና እውን ሓራ ዝወፀሉ መንግዲ እቲ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእ ምስዝትግበር እዩ ኢሎም።

ቁልፊ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ምርግጋፅ ሙሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ ሰላም እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ፣ ንሙሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ግቡኦም ክፍፅሙ ድፍኢት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕ ሰላም ምስ መንግስቲ ፌዴራል እዩ ተፈሪሙ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂዎት፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝተፈረመ ስምምዕነት ስለዝኾነ መዳራደርቲ ኣካላት እውን ንሙሉእ ትግበራ ድፍኢት ክገብሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ክወፅእ ዝኽእል ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ክረጋገፅ እንተሎ እዩ ብምባል ፣ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱን ካብ ወረርቲ ሓራ ወፅዩን ቱኩረቱ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክገብር ከሎ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ነዚ ድማ ሙሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ ሰላም ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራልን መደራደርቲ ኣካላትን ድፍኢት ንምሕዳር ይሰራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *