Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱምቅድሚ ከረምቲ ምእታዉ ተሰሪሑ ንምውዳእ ይሰርሕ ከምዘሎ ትካል ኤርፖርታት ኢትዮጲያ ሓቢሩ ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም
ቅድሚ ከረምቲ ምእታዉ ተሰሪሑ ንምውዳእ ይሰርሕ ከምዘሎ ትካል ኤርፖርታት ኢትዮጲያ ሓቢሩ ።

እዚ ዝተሓበረ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ስራሕቲ ፅገና ዝበፅሖ ደረጃን ሰለጤንን ፅሬት እቲ ፕሮጀክትን ንምዕዛብ ኣብ ዝተኻየደ ዑደት እዩ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዑደት ዋና ዳሪኽተር ኤርፓርቶች እትዮጵያ ኣይተ ፍቅሬ ደገፉ ሓዊሱ ካልኦት ናይቲ ትካል ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ነቲ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም እዮም።

እቶም ዋና ዳርክተር ከም ዝገለፅዎ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ዝናብ ኣዋርሕ ምዃኑ ተረዲእና ፤ ቅድሚ ከረምቲን ዝናብ ቅድሚ ምምፅኡን ክዛዘም ከምዝግባእን ብወገን ትካል ኣየርፓርቶች ዘሎ ድሌትን ተበግሶን ቀልጢፍና ናብ ኦፕረሽናል ስራሕቲ በረራ ግልጋሎት ክንኣቱ እዩ ባህግና ክብሉ እቶም ዋና ዳሪክተር ወሲኾም ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዑደት ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ “ናብ ከተማና ንምጉብናይ ካብ ርሑቅ ይኹን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝመፁ ሃወፅቲ ብምኽንያት ኣኽሱም መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ግልጋሎት ዘይምሃቡ ይንገላቱዑ ከምዘሎዉ ፤በዚ መሰረት ድማ እዚ ፕሮጀክት ቀልጢፊ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ።

እዚ ፕሮጀክት ብዝተታሕዘሉ ግዜ ሰሌዳን ፅሬትን በቲ ስምምዕናን መሰረት ወዲእና ንምርካብ ለይትን ቀትርን ንሰርሕ ኣለና ክብል ዝገለፀልና ድማ ናይ ኤች ኤች ኮንሳልታንት ማኔጅንግ ዋና ዳሪክተር ኢንጅነር ሃይለምካኤል ሰሎምን እዩ።

መተሓባበሪት ትካል ኑኡድ ኮንስትራክሽን ዝኮነት ኢንጅነር በኤልቤ ግርማ ብግድኣ “እዚ ኣየር ፓርት እዚ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ድዛይን ተማሓይሹ እዩ። ነሕድሶ ዘለና ብፅሬትን ብጥንቃቀን እዩ ዝስራሕ ዘሎ ክትብል ገሊፃ ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *