Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መኻንነት ሕልሚ ኽኻውን አብ መቀለ ስራሕ ተጀሚሩ

ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት እትርከብ ሄለን ተስፋይ (ስማ ዝተቐየረ) ሓዳር ካብ እትገብር ክልተ ዓመት ኮይኑዋ ኣሎ፤ ውሉድ ናይ ምርካብ ህርፋና ግና ኣይሰመረን።

“እንዳ ቤተሰብይ ምስ ከድኩ ‘ንምንታይ ኢኺ ዘይትወልዲ?’ ይብሉኒ። እዚ ድማ ዘጨንቅን ዘሻቕልን እዩ። ኣብዚ እዋን ቈልዓ ስለዘይብለይ ኣዝዩ ይስመዐኒ። ኣሓተይ ኩለን ወሊደን እየን። ዘይምውላደይ ኣዝዩ እዩ ዝስመዐኒ” ብምባል ድሕሪ ሓዳር ቈልዓ ዘይምውላዳ ዝፈጠረላ ጸቕጢ ተዘንቱ።

እታ ነባሪት ከተማ መቐለ “ቈልዓ ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ። ዋላ ገዛ እንተሰራሕኩ፣ ካልእ እንተረኸብኩ፣ በይነይ እንተኾይነ እንታይ ይዓብሰለይ?” ክትብል’ውን ትሓትት።

ሄለን ዋላኳ ወርሓዊ ጽግያታ እንተቋረጸ፡ ቈልዓ ንምርካብ ናብ ዝተፈላለዩ ሰብሞያ ሕክምና ከምዝተመላለሰት ንቢቢሲ ተዛሪባ። ነዚ ተባሂሉ ዝተውሃባ መድሓኒት ወሲዳ’ውን ለውጢ ኣይረኸበትን።

ሕጂ ግን ተስፋ ዝህብ መድሓኒት ከምዝረኸበት ትዛረብ። እንቋቍሖ እትልግሰላ ጓል ኣንስተይቲ እንተረኺባ ክትጠንስ ከምእትኽእል ተነጊርዋ እዩ።

ነዚ ሕክምና ዝህብ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኣዴታት፣ ህጻናትን ነቅኣ ህይወትን እዩ።

ብዛዕባ እዚ ውላድ ዝርከበሉ ሓድሽ መንገዲ ካብ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ዝሰምዐት ሄለን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብቐረባ እትፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ እንቋቍሖ ክህባኣ ክትሓትት ከምዝቐነየት ዝረኽብናዮ ሓብሪታ ይሕብር ።

ነቲ ሕቶ ካብ ዘቕረበትለን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘሐጉስ ምላሽ እኳ እንተዘይረኸበት፡ ሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመዳ ግን እንቋቍሖ ክትህባ ፍቓደኛ ምዃና ከምዝገለጸትላ ትጠቅስ።

ነዚ ናይ መኻንነት ሽግር ፍታሕ ዝህብ ማእከል ሕክምና ኣዶ፡ ካብ ለገስቲ ዝርከብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ንምእካብ ዘኽእል ፍቓድ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ – 24 ታሕሳስ 2016 ኣግ – እዩ ካብ በዓል መዚ ቁጽጽር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ክልል ትግራይ ረኺቡ።

እቲ ማእከል ነዚ ፍቓድ ምስረኸበ ብልገሳ ዝተረኸበ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ብምርኻብ ብዕዉት ኩነታት ጥንሲ ክፍጠር ከምዝገበረ ወናኒ ማእከል ሕክምና ኣዶ ዶ/ር ሳምሶን ሙሉጌታ ገሊጹ።

በዚ መገዲ ዝጠነሰት ኣዶን በዓል ቤታን ቈልዓ ንምውላድ ይጽበዩ ከምዘለዉ ምክትል ዳይረክተር ቁጽጽር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ትግራይ ኣቶ የሱፍ ኡብራሂም ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ተሓከምቲ እቲ ማእከል እውን ዘርኢ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ካብ ወለንተኛታት ንምርካብ ይጽበዩ ከምዘለዉ ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ። ነዚ ድማ እቲ ማእከል ፍቓደኛ ዝኾኑ ሰባት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ክልግሱ ጻውዒት ይገብር ኣሎ።

ዶ/ር ሳምሶን ሙሉጌታ
መግለጺ ስእሊ,ወናኒ ማእከል ሕክምና ኣዶ ዶ/ር ሳምሶን ሙሉጌታ

ብዝተለገሰ ፍረ ዘርእን እንቋቍሖን ህጻን ዘሕቁፍ ሕክምና

ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ብዝተለገሰ እንቋቍሖ ዝወልዳ ደቂ ኣንስትዮ “ጥንሲ ክስከም ዝኽእል ማህጸን እናሃለወን፡ እንቋቍሖ ግን ዘይብለን” ከምዝኾና ይገልጽ። ኣብዚ ኩነታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝልገሰለን እንቋቍሖን ናይ በዓል ቤተን ዘርእን ብምርኻብ ጥንሲ ከምዝፍጠር የረድእ።

ብናይ ተባዕታይ ዘርኢ ልግሲ ዝወልዳ ድማ፡ በዓል ቤተን “ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናሃለዎ ፍረ ግን ዘይብሉ” እንተኾይኑ ከምዝኾነ ዝገልጽ እቲ ስፔሻሊስት፡ እቲ ብልግሲ ዝተረኸበ ፍረ ዘርእን ናይታ ሰበይቲ እንቋቍሖን ተራኺቦም ጥንሲ ከምዝፍጠር ኣረዲኡ።

ኢንቪትሮ ፈርቲላይዜሽን (Invitro fertilization-IVF) ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ብምርኻብ ጥንሲ ዝፍጠረሉ ከይዲ እዩ። እዚ ሰብ ሰራሕ ሕክምና ተዋልዶ፡ እንቋቍሖን ዘርኢ ተባዕታይን ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ቤተ ፈተነ እዮም ክራኸቡ ዝግበር።

እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፈጠረ ጥንሲ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ክኣቱ ብምግባር ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጥንስን ወሊድን ከይዲ ይቕጽል።

በዚ ከይዲ ሕክምና ንፈለማ እዋን ቈልዓ ዝተወለደ ኣብ 1978 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማዕቢሉ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።

መረዳእታታት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብርዎ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምፍጣር ጥንሲ ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህጻናት በዚ ከይዲ ተወሊዶም።

ቈልዓ ምውላድ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሕክምና ንምርካብ መብዛሕትኡ ግዘ ናብ ህንዲ ከምዝጓዓዙ ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ። ካብ 15 ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ዝውድእ ሕክምና ህንዲ “ብዙሕ ድኻም” ከምዘለዎ እውን ይጠቅስ።

ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ካብቲ ዝሓቶ ልዑል ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ህንዲ ካብ ዝተለገሰ ዘርኢ ጠኒሰን ዝመጻ ኢትዮጵያውያን ካልእ ጸገም እውን የጋጥመን እዩ።

እቶም ኢትዮጵያውያን “ናብ ወጻኢ እንትኸዱ ሒዞምዎ ዝመጹ ጥንሲ ናይ ህንዲ እዩ ዝኸውን። [ናይቶም ህጻናት] ጸጉሮም ዝተፈለየ እዩ፤ መልክዖም እውን ለውጢ ይህልዎ። ካብቲ ማሕበረሰብ እውን ቁሩብ ጽዕንቶ ይህልዎ እዩ። ዋላኳ ምውላዶም እንተ ኣሐጎሶም፡ ዝወሃቦም ፍረ ዘርእን እንቋቑሖን ናይ ህንዲ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ይህልዎ እዩ” ብምባል ነቲ ዘስተውዓሎ ይዝርዝር።

“ናብዚ ስራሕ ክንኣቱ ዝደፈአና እውን ናይቲ ማሕበረሰብ ጸገም እዩ” ዝብል ዶ/ር ሳምሶን “ናይዞም ሰባት ጸገም ዝርደኦ ቈልዓ ዘይብሉ ሰብ እዩ” ይብል። ካልእ ድማ “[ኣብ መደበኛ ሕክምና] እንትንሰርሕ ‘ኣብ ዘርእኻ ፍረ (ስፐርም) ኣይረኸብናን’ እንትንብሎም ቀጥታ ናብ ፍትሕ ብምኻድ፡ ንዓሰርተ ዓመት ዝነበሮም ፍቕሪ ብሓደ ግዘ ናይ ምፍራስ” ኩነታት ምርኣዩ ከምዝኾነ ይጠቅስ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *