ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ውድብ ህወሓት ካብ 9-11 ታሕሳስ 2017 ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ እናሳለጠ ዝፀነሐ ኮይኑ ብዓል 12 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሙ።
ብመሰረት እዚ ድማ ሐዚ ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ኣብ ኣሰላልፋን ብሄራዊ ረብሓን መሰረት ዝገበረ እምበር ናይ ስልጣን ዘይምቅድዳው ወይ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዘሎ ባእሲ ኣይኾነን ኢሉ።
ውድብ ህወሓት ናይ ኩናት ውድብ ዘይኾነስ ናይ ልምዓት ፣ሰላምን በቢ እዋኑ ዝምዕብል ዲሞክራሲን ውድብ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ቅዋም ላዕለውት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ሰላም ዘለዎ ቅዋም ዘይቀያየር ምዃኑ ነረጋግፅ ክብል አመልኪቱ።
ሰላም ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ፣ሰላም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ፣ሰላም ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝቢታት ምዃኑ ደጊምና ነረጋግፅ እውን ኢሉ እቲ መግለፂ ቅዋም።
ውዕሊ ፕሪቶሪያ ውፅኢት መሪር ቃልስን መስዋእትን ህዝብና እዩ ዝበለ መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከይሸራረፈ ክፍፅም ኣጥቢቅና ንሓትት ኢሎም።
ተመዛበልቲን ብስንኪ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ዓዶም ሓዲጎም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ወገናትናን ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሙሉእ ምሕደርኦም ተማሊኡ፣ውሕስ ሰላምን ድሕንነቶም ተረጋጊፁን ናብ መረበቶም ክምለሱ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንፅውዕ ዝበለ እቲ መግለፂ ቅዋም ንሕና ላዕለውት ኣመራርሓ ድማ እቲ ውዕሊ ከይተሸራረፈ ክፍፀም ብትረት ክንቃለስ ኢና ኢሎም።
ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፍፅምዎ ዝተውሃብዎ መደባት ሙሉእ ንሙሉእ ወዲቆም እዮም ድሕሪ ምባል እቲ ፀገም ንክዕረ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዋም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።
መዓድንን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወርቅን ካልኦት ኽባራት መዓድናትን ካብ ስርዓት ወፃኢ ብኬሚካላትን ማሽናትን ተጠቂምኻ ዝግበር ዘሎ ጉሕለትን ብረሰትን ይፈፀም ሰለ ዘሎ እዚ ደው ንክብልን ተፃሪዩ ታሓታትነት ንኽረጋገፅን ክንቃለስ ኢና ዝብሉን ካልኦት ነጥቢታትን ዘካተተ ቅዋም መግለፂ ብምውፃእ እቲ ኸኻይድዎ ዝፀንሑ መድረክ ዘተ ዛዚሞም እዮም።
