ኣብ ኢትዮጲያ ዕላዊ ዑደት ዘካየዱ ፕረዝደንት ሃገረ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝነበሮም ርክብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣልዒሎም ከምዝዘተዩን ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናትን ሳዕቤናቱ ከምእውን ውዕሊ ፕሮቶርያ ንምትግባር ኣብዘኽእል ኣጀንዳ እውን ከምዝዘተዩ ድምጺ ኣሜሪካ ( ቪኦኤ )ይሕብር ።
ፕረዝደንት ማክሮን ከምዝበልዎ ንክልተ ዓመታት ከቢድ ህልቂት ዘስዓበ ኩናት ትግራይ ደው ዘበለ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘላቂ ሰላምን ምርግጋእን ብዘዕስል ኣገባብ ንክፍፀም መግስቲ ፈረንሳይ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ።
ማክሮን ወሲኾም ከምዝበልዎ ሃገሮም ፈረንሳይ ንግዳያት እቲ ኩናት ዝኾኑ ወገናት ንምሕጋዝ ድልየት ከምዘልዋን ፍትሒ ንክነግስ ልዕልና ሕጊ ንክረጋገፅ ዝጀማመር ዘሎ ናይ ስግግር ፍትሒ ክትድግፍን ክትርእዮን ከምትደሊ ምግላፆም ተሓቢሩ ።
