Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መንግስቲ ጂቡቲ ናይ ክብሪ ኒሻን ፖሊስ እታ ሃገር ንኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ሸሊሙ

መንግስቲ ጂቡቲ ናይ ክብሪ ኒሻን ፖሊስ እታ ሃገር ንኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ሸሊሙ።

ንኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ጅቡቲ ኣብዱልቃድር ካሚል መሃመድ እቲ ናይ ፖሊስ ክብሪ ኒሻን ተቐቢሎም።

መበል 46 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ብሄራዊ ፖሊስ ጂቡቲ ከምዝተኸበረ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ነቲ ሽልማት ዝበቕዑ÷ ሰላምን ድሕንትን ዶብ ኢትዮ-ጂቡቲ ድንበር ንምርግጋፅ ብፍላይ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ኣብ ምክልኻል ውፅኢት ስለዘምፅኡ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናተፈጠረ ዝርከብ ርክብን ምትሕብባርን ብምጥንኻር ኣብቲ ዞባ ልዑል ለውጢ ንኽመፅእ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፋና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *