
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት
ቅድሚ 6 ሰዓታት
ዓለምለኻዊ ኮምሽን ጕጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባር ዝወስዶ ስጕምቲ ተመጣጣኒ ክኸውን ጸዊዑ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ብፍላይ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጐንጺ ንምቍጽጻር ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ዘዘኻኸረ እቲ ኮምሽን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተተግበሩ ኣዋጃት ህጹጽ እዋን፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ነይሩ ኢሉ።
መንግስቲ ነዚ ህጹጽ እዋን ኣብ ዘፈጽመሉ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቃል ኪዳን መሰላት ሲቪልን ፖለቲካን ዓንቀጽ 4፡ ኣድላይነት ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ፡ ተመጣጣንነትን ሓደ ወገን ፈሊኻ ናይ ዘይምጥቃዕን መትከላት ክኽተል ኣለዎ ኢሉ።
ጕጅለ ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ጐንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ኣካላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ግጭት ደው ኣቢሎም ፍልልዮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን ጸዊዑ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ጃፓንን ኒውዚላንድን ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልቲአን ክልላት ዘጋጠመ ግጭት ጠንቂ ሞት ሞት ሰላማውያን ሰባትን ዘይምርግጋእን ከምዝዀነ ሓቢረን ኣለዋ።
