ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ነዚ ዝሓተቱ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ፋይናንስ ብዝምልከት ምስ ኮሜቴ አገልግሎት ፋይናንስ ኣሜሪካ ኣብ ዘሳለጥዎ ዋዕላ እዩ።
ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ፈፂሞም እዮም ዝበሉ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ዓለም ለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዮማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ ሪፓርትን፣ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ቢሊንከን ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምፅናት ምፍፃሞም አረጋጊፆም እዮም ኢሎም።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ቢሊንክን ሓልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ተግባር ዘርኢ ምፅናት ምፍፃሞም ዕላዊ ምግባሮም ኣዘኻኺሮም እዩም ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼር ማን ።
ነዚ ተግባር ፅንተት ከምኡ እውን ገበን ኩናት ክልተ ሓይልታት ከምዝፈፀምዎ ዓለም ለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዮማን ራይትስ ዎች ፈልዩ አለልዩ ድማ ኢሎም ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼር ማን።
አባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ቅልጡፉን ትርጉም ዘለዎ ማዕቐብ ክተንብረሎም ፀዊዖም።
ድወት
