Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክሰርሕ ኢዩ-ኣምባሳደር ባርክ ባራን

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ቱርክ ኣብ ኢትዮጵያ ባርክ ባራን ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ሉኡኽ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፓሎቲካዊን ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዘተ መብርሂ ዝሃቡ ኣምባሳደር ባርክ ባራን፥ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብቐንዱ ድማ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ከም ዝሰርሕ ገሊፆም።

ብተወሳኺ መንግስቶም ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ መስጊድ ኣልነጃሺ ማእኸል ቱሪስት ክኸውን መንግስቶም እጃሙ ከምዝፃወት ገሊፆም።

ብተዛማዲ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢንቨስትመንት ትግራይ ከም ዝዋፈሩ እቶም ኣምባሳደር ምሕባሮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *