ኲናት ወርሰገ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ኣብ 1888 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ዝገጠሞ ሰፍ ዘይብል ስዕረትን ዉርደትን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ወርሒ መስከረም 1928 ዓ/ም ዳግም ብምውራር ኲናት ዝኸፈተሉን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ዝፈፀመሉን ከምዝኾነ ሰነዳት ታሪኽ የረድኡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ጣልያን ዝተሓምሸሸሉን ሓድነትን ጅግንነትን ተጋሩ ዝተንፀባረቐሉ ድሙቕ ዓወት ዝተመዝገበሉ ዓውደ ኲናት ከምዝነበረ እዉን ታሪኽ የዘንቱ።
እነሆ ሎሚ 19 ለካቲት መበል 88 ዓመት ኲናት ተምቤን-ወርሰገ ብዓወት ኣብ ዝተዛዘመሉን ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ ሓዊሱ ልዕሊ 10 ሽሕ ወራሪ ሰራዊት ኣብ ኣብ ዝተቐበርሉን ታሪኻዊ ቦታ ተኸቢሩ ኣሎ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኲናት ወርሰገ ሕብረትን ሓድነትን ተጋሩ ዝተንፀባረቐሉ ታሪኽ ዋላ እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ክፍለጥን ክላለን ከምዘይከኣለ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ግን ሕሉፍ ክፍተታት ብምእራም እዞም ታሪኻዊ መስሕባት ቱሪዝም ናብ ረብሓ ንምውዓል ዝተዋደደ ርብርብ ክግበ ከምዝግባእ ሓቢሮም ።
ሓላፊ ካቢኔ ሴክረታርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሓድር ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ድማ ኲናት ወርሰገ ሰራዊት ጣልያን ኣብ ዓድዋ ብዝበፅሖ ከቢድ ስዕረት ህዝብን መራሕትን ትግራይ ብምጥፋእ ሕነ ንምፍዳይ ዘካየዶን ዘስካኽሑ ግፍዕታት ዝፈፀመሉን ምዃኑ ገሊፆም።
ወርሰገ ሰብን ዘመናዊ ኣፅዋርን ዝገጠምሉ ታሪኻዊ ስፍራ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕሮፌሰር ክንደያ ኣብ ጀጋኑ ቀዳሞት ወለድና ኣብ መወዳእታ ፀላኢ ደምሲሶም ድሙቕ ታሪኽ ዘፅሓፍሉ መዋእል ምዃኑ ተዛሪቦም።
ስለዚ እዚ ኣካል ታሪኣክ ኩሉ ትግራዋይ ዝኾነ ኲናት ወርሰገ ዝተፈፀሙ ታሪኻዊ ጅግንነታት ብምዕቃብ፡ ምልላይን ናብ ረብሓ ኣብ ምውዓልን ኩሉ ሓላፍነቱ ክፍፅም ፀዊዕም። ግዝያዊ ምምሓዳር ትግራይ እዉን ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ደገም ከምዝግብር ቃል ኣትዮም።
እቲ ዝተፈፀመ መስተንክራዊ ጅግንነትን ታሪኻዊ ቦታን ብዝግባእ ብምዕቃብን ብምልላይን ናብ ኩለመዳያዊ ረብሓ ንክዉዕል ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ሂቦም ንክሰርሕሉ ፃውዒት ቀሪቡ።
ኣብቲ በዓል ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ምሁራን ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላልዩ ክፋላት ሕ/ሰብ እቲ ከባብን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም።











