Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ

መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማትን ኣመራርሓታት እቲ ሕብረት፣ ኣካቢ እቲ ኮሚቴን ኣምባቃደራት ኣብል ሃገራት እቲ ሕብረትን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ዕለት 5ን 6ን ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መበል 44 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ 9ን 10ን ለካቲት 2016 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ዝቐርቡ ረቀቕቲ ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕብረት ዝርከባ ትካላት ኣፈፃፅመኦምን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ዘካየደኦም ኣኼባታትን ዝምልከቱ ፀብፃባት ከምዝሰምዕ ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓሬታ የመላኽት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *