መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ንምድላው ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ፣ ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅርን ኣባላትን ዝተጣየሸ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ስራሕቱ ንምውጋን ዘኽእልዎ ኣወዳድባ ሒዙ ነቲ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።
ኣደ-ወንበር እቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለን፤ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ብፂት ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ቅድመ ምድላው ጉባኤ ውድብና ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ብዝተፈላለዩ ፀገማት ኣብ እዋኑ ከም ዘይተኻየደን ግዜ ከምዝወሰደን ብምግላፅ እቲ ጉባኤ መሰረታዊ ምትዕርራይ ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዘትዩ ኣንፈታት ክቕመጠጥ ትፅቢት ከምዝግበርን ነዚ መሰረት ዝገበረ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎን ገሊፃ።
ኣብ ሕገ-ደንቢ ውድብና ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ብኽልተ መንገዲ ምጥያሽ ይከኣል እዩ ዝበለት ብፂት ፈትለወርቅ እቲ ሓደ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘጣየሾ ኣሰናዳኢ ሽማግለ እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴን ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅርን ከምኡ እውን ኣባላት ክጣየሽ ከምዝኽእል ገሊፃ ፡፡
ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተፈጠረ ፀገም ብፍላይ ኣብቲ ኣባል እቲ መሪሕነት ብሰንኪ ዘጥፈኦን ዘርአዮ ሕመቕን ኣብ መሪሕነቱ ተፈጢሩ ዘሎ ምጉዳልን ምሽርሻርን እምነት ስዒቡ እቲ ጉባኤና ተኣማኒ ክኾን ካብ ማእኸላይ ኮሚቴን ካብ ማእኸላይ ኮሚሽን ቁፅፅርን ዝተወፃፅአ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ከምዝተጣየሸን እቶም ካብ ክልቲኡ ኣካላት ዝተወከሉ ድማ ብሓባር ኮይኖም ካብ ኣባላት ክውሰኹ ብምግባር ካብ ሰለስተ ኣካላት ውድብና ዝሓዘ ኣሳናዳኢ ሽማግለ ጉባኤ ህወሓት ተጣይሹ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ገሊፃ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣቐዲሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘጣየሾ ኣሰናዳኢ ሸማግለ ጠጠው ኢሉ ናብቲ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ከምዝተሰጋገረ ብምሕባር እዚ ኮሚቴ ኣሰናዳኢ ጉባኤ ካብ ፍርቂ ለካቲት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ስርሑ ጀሚሩ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ ኢላ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ሓፂር እዋን ክካየድ ስለዘግበኦ እቲ ዝተጣየሸ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ንባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኮሚቴታት ተመቓቒሉ ስራሕቱ ንምውጋን ዘኽእልዎ ኣወዳድባ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ዝገለፀት ብፂት ፈትለወርቅ ካብቲ ዓብዪ ኣሰናዳዊት ሽማግለ መምርሒ እናተቐበለ ኣብ ዞባ፣ ወረዳን ጣቢያን ዘፈፅም ካብ ሰለስቲኡ ኣካል ዝሓዘ ሽማግለ ክጣየሽ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ከምዘሎን ብመሰረት እቲ ምርድዳእ ከምዘጣየሽን ገሊፃ ።
እቲ ጉባኤ ነቲ ሕዚ ነካይዶ ዘለና ገምጋም፣ ምንቕቓፍን ፅርየትን መሰረት ጌሩ ከምዝካየድን ኣብ ውሽጢ ውድብ ዘሎ ፀገም እንታይ ይመስልን ቀፃሊ ኣንፈትና እንታይ ይኹንን ዝብል ኣብ ጉባኤ ከምዝፀድቕን ብምግላፅ እቲ ዝካየድ ዘሎ ገምጋም ፣ ምንቕቓፍን ፅሬትን ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ውድብና ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ እውን ገሊፃ።
ኣጀንዳታት ጉባኤ በቢብርኩ ዘሎ ኣባልና ክመያየጠሉ ከምዝግበር ብምግላፅ ድሕሪኡ ድማ ጉባኤተኛ ዝኾኑ መሪፁ ክሰድድ እዩ ኢላ።
ብሓፈሻ ስራሕቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ህወሓት ፅቡቕ ይኸድ ከምዘሎን እቲ ጉባኤ ክካየድ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ክክየድ’ዩ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊፃ።
