1 ታሕሳስ 2017
ኩሎም ታሪኻዊ ፍልፍላት ከም ዝሕብሩዎ፤ ንመበቆላ ትግራይ ሙሉእነት ዘለዎ መራሒ ወፂኡላ ኣይፈልጥን ናብ ዝብል መደምደምታ ከምርሕ ይደፋፍኡኒ ኣለዉ፡፡ ሃገራዊ ኮነ ትካላዊ ወይ ውድባዊ መራሒ ቀንዲ መዐቀኒኡ እዩ ኢለ ዝኣምነሉን ብዙሓት መፅናዕታት እውን ዘመላኽቱዎ፤ ዘለወሉ ኩነታትን ዓቕምን ዝፈልጥ፣ ካብ’ዙ ህልው ኩነታትን ዓቕምን ተበጊሱ መፃኢ ክኸውን ዝኽእልን ዘለዎን ኣቕዲሙ ዝእምት፣ ናብ’ቱ ኣርሒቑ ዝኣመቶ ንኽበፅሕ ድማ እንታይ ከምዝጎድሎን እንታይ ከማልእ ከምዘለዎን ከምዝኽእልን ምስ ዓቕሚ ህዝቡ እሂን ምሂን ኢሉ ዝመክርን መፍትሕታት ዝሰርዕን፣ ንህዝቡን ዓዱን ተኣማኒ ዝኾነ እዩ፡፡ ዓቕሚ ህዝቡ እትብል ይሰመረላ፡፡
እቱ ቀንዲ ዓቕሚ ህዝቢ ሰብን ሓሳብን እዩ፡፡ ዝሐሸ ዘሳግር ሓሳብ! ንዙ ዓቕሚ ህዝቢ ዘዳምፅን ዘዋህልልን፣ ንኣብዝሓ ምልኣተ ህዝቡ ብእኩብነት ዝሕዝ መሪሕነት እዩ ዘሳግር፡፡ ሓሳብ ዝፈርሕን ብኣነነት ኣብ ሓደ ናቱ ሓሳብ ዝነቐፀ መሪሕነት እንተይኮነስ፤ ሓሳብ ዘኽብርን ብእሂን ምሂን ዝደማመፅን ድምፂ ህዝቢ ዝሓቁፍን መሪሕነት እዩ፤ ብብሉፅ ሐሳብ ምስ ህዝቡ ዓዲ ካብ መዋጥር ኣውፂኡ ራህዋን ቅሳነትን ከዕስል ዘኽእል! እቱ ሓሳብ ዝፈርሕ ግና፤ ብዘሳግር ብሉፅ ሓሳብ ህዝቢ ክርባሕ ዘይምግባሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ሰብኣዊ ዓቕሚ ህዝቢ እናሸርሸረ ህዝብን ዓድን ናብ ድኽመትን ሓደጋን የውድቕ፡፡
ከመይ ትግራይ ሙሉእነት ዘለዎ መራሒ ወፂኡላ ዘይፈልጥ? ትብል ዝብሉ ድምፅታት ክህልዉ ግድን እዩ፡፡ ንንጉሰ ነገስታት ሃፀይ ዮሃንስ ሓዊሱ ክሳብ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ኣይተ ጌታቸው ኩሎም ቅዶም ሓደ ኮይኑ ኩለንተንኦም ኣብ ትግራይ ዝሸኸለ ስለዘይነበረን ዘይኮነን እዩ ናተይ መልሲ፡፡ ከመይ? እንተኢልኩም፤ ሃፀይ ዮሃንስ ንበል፣ መንገሻ፣ መለስ፣ ገብሩ ወይ ፀጋይ፣ ኣባይ፣ ደብረፅዮን፣ ጌታቸው፤ ኩሎም ኣብታ መጥፊእትና ሃገር ዝተንጠልጠሉ እዮም ነይሮምን ዘለዉን። እምበር ኣብ ትግራይ ብሙሉእነት ትግራዋይ መንፈስ ኣይነበሩን የለውን ዝብል መርትዖ የቕርብ፡፡ ካልእ ተሪፉ ወላድየይ ብላታ ሃይለማርያምን ካልኦት መራሕቲ ቀዳማይ ወያነን እኳ፤ ገና መንግስትነት እንተይጨበጡ መንፈሶም ኣብ’ዛ መጥፊእትና ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር እዩ ነይሩ፡፡ ፀዲፍና ፀዲፍና ናብዙ ሐዚ ዘለናሉ ብርኪ ድከት ዝበፅሓና እውን ቀንዲ መንቀሊኡ እዙይ ንመራሕቲ ትግራይ ቀይዱ ዝሕዞም መንፈስ እዛ መጥፍኢት ዝኾነት ሃገር እዩ ናብ ዝብል መርገፂ በፂሐ ኣለኹ፡፡
ዝርዝር መርትዖታተይ ካብ ፅባሕ ጀሚረ ብተኸታታሊ ከቕርብ እየ፡፡ ንደማመፅ ሓሳብ ብሓሳብ ንሞግት። ነንሕድሕድና ስለዝተናቖትና፤ ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ናብ ዝገደደ ፀድፊ ከምርሕ እምበር መፍትሒ ኣየምፅእን፡፡ ህዝብናን ዓድናን ኣበየናይ ብርኪ ውድቀት በፂሖም ከምዘለዉ ነስተብህል! ኣብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሸኸለ ኩሉ ክረዳዳእ ዝኽእል ዓቕሚ ብሓደ ረቢቡ ኣብ መፍትሒ ምንዳይ ይጠምት! ኣብ ፅባሕ «መቐለ 39 ማዕልትታት» የራኽበና!
«መቐለ 39 ማዕልትታት»
2 ታሕሳስ 2017
ትግራይ ብዓቐን ዓቕምን ክብርን ህዝባ ዝመርሓ ሙሉእነት ዘለዎ መራሒ ረኺባ ኣይትፈልጥን፡፡ ሙሉእነት ዘለዎ ይሰመረላ። ጠንቂ ውድቀት ትግራይ ዝኾነ ጉድለቶም ክንዝትየሉ ስለዝተበገስኩ እምበር፤ ኩሎም በብወገኖም ዘመዝገቡዎ ምዕቡል ጎንታቶም ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።
ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ከምዝኾነ ትማሊ ሓቢረዮ እየ፡፡ ሰብን ሓሳብን እዩ። ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ብታሪኻዊ ኣብነታት ክንሪኦ ንኽእል፡፡ ቅድሚ 83 ዓመት ከም’ዙ ወርሒ ታሕሳስ፤ ወለድና ቀዳሞት ወያነ ኣብ ዋዕላ ደልጌና ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን ዝነበረ ወራር ጋዝ ኣብ 30 ማዕልትታት ፅዑቕ ወፍሪ ዕርቂ ነይሩ ካልኣይ ከምዘይድገም ገይሮም ዝዓፀዉዎ፡፡ ከምህዝቢ ኣብ ዘዋፅኦም ብሉፅ ሓሳብ እሂን ምሂን ኢሎም፣ ቆላን ደጉዓን ወሪዶም ደይቦም ተመላሊሶም፣ ዘትዮም ተደማሚፆም፤ ንኹሎም ህዝብታት ኣብ ዘርብሕ ፅኑዕ ውሳነን ስምምዕን በፂሖም፤ ብመሓላ ኣሲሮምዎ ክሳብ ሎሚ ኣሎ፡፡ ቅድሚ 26 ዓመታት ኤርትራ ኣይትወረናን እናበለ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት/ኢህወደግ ምስተወረርና ኣብ ማዕልትታት ነይሩ እሂን ምሂን ኢሉ ሰራዊት ሃኒፁ ናብ መኸተን ዓወትን ዝበፅሐ:: ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ወራር ፅንተት ምስተኸፈተ ኣብ ሜዳ ትግራይ ዝተኣኻኸበ መሪሕነት ነይሩ እሂን ምሂን ኢሉ ካብ ደባይ ክሳብ ስሩእ ሰራዊት ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ክሃንፅን ክምክትን ዝኸኣለ:: ኣብዘን ሰለስተ ኣብነታት ከምዝርአናዮ እኩብ ሓሳብን እኩብ ኣመራርሓን (collective leadership) እዩ ክሳብ ሎሚ ንትግራይ ካብ መዋጥር እናውፅኣ መፂኡ:: ፅሟቕ ሓሳብን ሰብን::
ትግራይ ዘድልያ ንትግራይ ውሻጥኣ ሪኡ ንከባቢኣ ካብኡ እውን ኣርሒቑ ዝጥምት መራሒ እዩ፡፡ ክሳብ ሎሚ ትግራይ ዘጥረየቶም መራሕቲ ግና ከምኡ ኣይነበሩን ኣይኮኑን:: ቅዶም ሓደ እንትኾን፤ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝሪኡ እምበር ካብ ውሽጢ ንደገ ዝሪኡ ኣይኮኑን ኣይነበሩን፡፡ ገሊኦም ብስጋ ኣብ ትግራይ ኮይኖም ንትግራይ ኢትዮጵያ ኮይኖም ብዓይኒ ኢትዮጵያ ኣማዕድዮም ዝሪኡዋ፤ ገሊኦም ድማ ብኣካልን ብመንፈስን ኢትዮጵያ ኮይኖም ንትግራይ ብዓይኒ ኢትዮጵያ ዘማዓድዉ እዮም ነይሮምን ዘለዉን፡፡
ፅባሕ ኣብ «መቐለ 38 ማዕልትታት» የራኽበና!«መቐለ 38 ማዕልትታት»
3 ታሕሳስ 2017
ዕድል ትግራይ ዝውሰን ብዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እዩ!
ታሪኽና ከምዘረጋግፆ ኩልሻዕ ሓደ እንተኾይንና ኣይንስዓርን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ዕድልና ክንውስን እውን ጥሙር ዓቕሚ ይህልወና ወርቃዊ ዕድላት እውን ይጥጥሑ፡፡ እቱ ዝጎድለና መሪሕነት እውን ብእኩብ ሓይሊ (collective leadership) ፅሟቕ ዝተፋላለየ ሓሳባት ስለዝጠምር ኣምራትን ኣንፈታትን የመላኽት፡፡ ሓድነትና እንትነቅዕ ድማ ንምግማቱ ዘፀግም ስዕረት፣ ውድቀትን ምልሕሓፅን ንነዊሕ ዓመታት ኣጋጢሙና እዩ የጋጥመና እውን ኣሎ፡፡ መሊስና ናብ ንቡር ቦታና ንምምላስ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና ነዊሕ ግዘ ወሲዱልና፤ ክሳብ ሎሚ እውን ናብ ንቡር ቦታና ክንምለስ ኣይኮነን፤ ናብ ዝገደደ ድከት ወሪድና ንርከብ፡፡ ንዙ ዘሰክፍ ከይዲ ታሪኽና ክንቅይር እንተኾይንና ኣብ ክሊ ትግራዋይነትና ዓሲልና ዕድል ህዝብናን ዓድናን ክንውስን ኣለና፤ ዕድል ትግራይ ዝውሰን ብዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ስለዝኾነ!
ትግራይ ሐዚ ናብ ዘላትሉ መፃብብ ዝወረደት፤ ብፅሒቶም ይፈላለ እንተኾነ እምበር፤ ድምር ውፅኢት ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ሚኢትን ገለን ዓመታት ክሳብ ሐዚ ዝተተኻኽኡ ገዛእቲ ትግራይ ዝፈፀሙዎ ጥፍኣትን ግጉይ ኣካይዳን እዩ:: ኩሎም ንትግራይ ጠሚቶም ንደገ ክሪኡ ብዘይምኽኣሎም:: እኳ ድኣስ ብዋጋ ትግራይ ንኢትዮጵያ ዝጥምቱ ዘቐድሙን ዘምልኹን ብምዃኖም እዩ ትግራይ ምስ ህዝባ እናሓቐቐት ኣብ’ዙ ብርኪ እዙይ በፂሓ ዘላ:: እቱ ሎሚ እንዕዘቦ ዘለና ፍፁም ውድቀት መሪሕነት ትግራይ፤ ድምር ውፅኢት ኩሎም ገዛእቲ ትግራይ እዩ:: ዝሐሸ ተተካኢ መራሒ ክፈጥሩ ከጠጥዑ ክፅዕሩ ኣይኮነን፤ ካብኣቶም ዝሐሸ ንዝመሰሎም ከምስግኣት መንበረ ስልጣኖም እናቖፀሩ ንዝሐሸ ሓሳብ ዝሓዘ ወለዶ እናልመሱ ኣናሳደዱ! መርኣይኦም ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓን እምበር ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ስለዘይነበረ:: ከም’ቱ ሐዚ እንሪኦም ዘለና መራሕቲ ክትብሎም ዘሰክፉ! ንዙይ መፍትሒኡ ድማ ንዙ ጠንቂ ሓደጋ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ንዝኾነ መንሽሮ መሪሕነት ብዕምቆት ምፍታሽ ግድን ይብል!
እሞ እንታይ ድኣ ይገበር? ዝብል ሎሚ ካብ ውሽጢ ዓዲ ክሳብ ዲያስፖራ ብዘሎ ትግራዋይ ኩሉ ዝልዓል ዘሎ ቀንዲ ሕቶ እዩ፡፡ መራሕቲ ዝበልናዮም በተንቲ ትግራይን ንቱ ደቁ መሪቑ ዝሃቦም ህዝቢ ዘይእመኑ ኮይኖም ከሺፎምና ቀቢፅናዮም፡፡ ካብ ዝኾነ ይኹን መዋእል ታሪኹ ብዝኸፍአ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ መራሒ ግድን ኣድልዩዎ ኣሎ፡፡ መዐቀኒ መራሒ ዘማልአ ብዓቐኑን ክብሩን ዝመርሖ እንተዘይረኺቡ፤ እታ ዝተረፈት ክንዲ ሕዝኣት ትኸውን ትግራይ ታሪኽ ክትኸውን እትኽእለሉ ኩነታት እዩ መራሕቲ ብዝበልናዮም ንሕንሕ ምንቛርን ዘይተኣማንነትን ዝሳለጥ ዘሎ፡፡
ብወገን ደብረፅዮን ዘሎ መሪሕነት ኮነ ብወገን ጌታቸው ዘሎ መሪሕነት ነንሕድሕዶም እናተናቖሩ ኩሎም መኸወሊ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ይብሉና፡፡ ንምዃኑ ፕሪቶሪያ እንታይ እዩ? ብዓል ዋንኡኸ መን እዩ? መንከ እዩ ዘተግብሮ? ውሱን ዕድመኸ ኣለዎ ዶ? ኣበይኸ ኣሎ? እንተኢልካዮም ሙሉእነት ዘለዎ መልሲ ዝህልዎም ኣይመስለንን፡፡ ፕሪቶሪያ ብላዕለዋይነት ብዓል ዋንኡ ኣሜሪካ እያ፡፡ ኣሜሪካ እውን ምምሕድዳር ፕረዝደንት ባይደን እዩ፡፡ ምምሕድዳር ባይደን እዩ ሎጂስቲክን ኩነታትን ኣመቻችዩ ንኽልቲኡ ወገን ቆሪኑ ፕሪቶሪያ ክፍረም ዝገበረ፤ ፎትዩ ዝፈረመ ሓይሊ የለን ተገዲዱ እምበር፡፡ ምምሕድዳር ባይደን ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝበፅሖ ውድቀት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘከሓሓሰሉ፤ ንዙ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኢትዮጵያ ጠጠው ዘበለሉን ብጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣቢሉ እናተኸታተለ ክትግበር ዝኸዶ ክያዶን እዩ፤ ከም ሓደ ዓብዪ ዓወት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ እዙ ምምሕድዳር ተመዝጊቡ ዘሎ፡፡
ኣተገባበራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሰኣን ኣዞን ሰነያን ይኹን፤ ኣብ ክንዲ ንትግራይ ንዛ መጥፍኢትና ሃገር ተኣማኒ ብምዃን፤ መራሕቲ ትግራይ ኣቐዲሞም ንጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ብመሰነይታ ሰርቲፊኬት ሂቦምዎ፡፡ ሐዚ ተፀበይቲ ትካቦት ኢና ኮይንና ዘለና፡፡ ድሕሪ ሰላሳን ገለ ማዕልትታት ምምሕድዳር ባይደን ንተመራፂ ትራምፕ ስልጣኑ እንተረክብ እንተሎ፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝብሃል ክቕፅል ይመስለና ይህሉ፡፡ ቀዳማይ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዝዳንትነት ትራምፕ ብቐረባ ንዝፈልጥ ሰብ መልሱ ቀሊል እዩ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ትራምፕ ፕረዝዳንት ምስኮነ ኣብ ውሽጢ ቀዳማይ ሚኢቲ ማዕልትታት ዓሚሙ ክትግብሮ ዝተልዓለ፤ ካብ ኦቦማኬር ኣትሒዙ ከይዲ ስምምዕ ኑክሌር ኢራንን ኩሎም ንጥፈታትን ኦባማ ምህሳስ ምጥፋእ እዩ ነይሩ፡፡ ሐዚ እውን ዝሕነ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ብጉዳያት ወፃኢ ባይደን ንዘመዝገቦምን ስሙ ከፀውዑ ንዝኽእሉን ፍፃመታት ከምዘይነበሩ ምግባር እዩ፡፡
ንዙይ ብምእማት ነይሩ ሽዑ ምስተመረፀ፤ ኣብ ዝቐረያ 75ን ማዕልትታት ዕድመ ምምሕድዳር ባይደን፤ እቱ ሽኻሉ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝኾነ ዝረዳዳእ ርእሲ ኩሉ እሂን ምሂን ኢሉ ኣፈፃፅማ ፕሪቶሪያ ከሳልጥ ብውሽጥን ብቅሉዕን ለበዋ እነቕርብ ዝነበርና፡፡ ሐዚ እውን ሰላሳን ገለን ማዕልትታት ኣለዋ፤ ብውሑድ ባዕዳውያን ሓይልታት ወፂኦም ህዝብና ናብ መረበቱ ንኽምለስ፤ ኩሉ ኣብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሸኸለ ኣመራርሓ ሰራዊት፣ ፖለቲከኛ ይኹን ልሂቅ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እዞም መራሕቲ ፀቕጢ ይፍጠር!
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 37 ማዕልትታት» የራኽበና!«መቐለ 37 ማዕልትታት»
4 ታሕሳስ 2017
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፤ ንፍቕርን ረብሓን ዓዱ ኣብ ዘለዎ ቅዋም ከም ማይ ዓይኒ ፅሩይ እዩ፡፡ ፀገም መራሕትን ልሂቃን ደቁ እምበር፤ ህዝብ’ማ ኩልሻዕ ምእንተ ዓዱን ህዝቡን ፅሩይን ቅኑዕን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ብፍረፃምኡ እዩ ዝነብር፡፡ ዝርባሕ እውን ዓዱ እንትትህሉ፣ ዓዱ ሰላም እንትትኸውንን እንትትለምዕን ጥራሕ እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡ ብዝኸኣሎ ኩሉ ዓቕሙ ፀንቂቑ ይፅዕር ንስድርኡ ክዕንግል፣ ብፅፍሩ ፋሕጠርጠር ይብል እምበር ካብ ፈጣሪ ብታሕቲ ዝቋመቶ ዘምልኾ የብሉን፡፡ ካብ’ዙይ ወፃኢ ከም ሰበስልጣናት ብዙሕ እንተይፀዓረ ዝርብሐሉ ዝስላዕ መሃያ ወይ ዝጉሓል ዘመሓድሮ ሃፍቲ ሃገር የብሉን፡፡ ናብራ ስድርኡን ወለዱን፣ ኩሉ ሙሉእ ረብሕኡ ኣብ ብርኩ፣ ኣብ ርእሱ፣ ኣብ ክእለቱ እምበር ከይረሃፀ ዝረኽቦ ጥርብ ዝብል ጥቕሚ የብሉን።
ብምዃኑ እዩ ሓፋሽ ኣብ ሓድነትን ሰነያን፣ ኣብ ፍቕሪ ህዝብን ዓድን፣ ፀገም ዘይብሉ፡፡ ቅኑዕ መሪሕነት እዩ ዝደሊ እምበር፤ ንህዝቡን ንዓዱን ኣብ ዝተፀውዖ ከም ግመል ትግራይ ምእዙዝ እውን እዩ፡፡ ከም ሰብ ክብሪ ክውሃቦ፣ ብፍትሕን ስርዓትን ዘመሓድሩዎ ግና ይደሊ፡፡ ዓቕሊ ገይሩ እውን ንምኽባር መሰሉ፣ ንፍትሕን ልምዓትን ይሓትት፡፡ ዓቕሊ ምግባሩ ከም ፍርሒን ዘይምፍላጥን ተቖፂሩ ግፍዕን መከራን እንተስዒቡ ግና፤ ሓፋሽ ይቕሕር፣ ጠንጠነለይ፣ ይኣክል እውን ይብል! እቱ ወርቃዊ ታሪኹ ንዙይ ይምስክር፡፡
ኣብ’ዙ ዘለናሉ ጥንኩር ኩነታት እዙይ፤ ህዝብና ንዙ ዓቕሉን ለባምነቱን እዩ ኣረጋጊፁ፡፡ ንጥልመትን ክሕደትን ገዛእቲ ትግራይ፤ ንተደራረብቲ ፀገማት ድኽነትን መሪር መስዋእቲ ደቁን እንተይተፀባፀበ፤ «ደሓን ኮይኑ ኣሎ፣ ዝፈሰሰዶ ክሕፈስ ኮይኑ፤ ናይ ድሕሪ ሐዚ ንግበር» ዝብል ዓቕላም እዩ፡፡ ዓቕሉ ግና ንኹሉ የማን ፀጋም፣ ውሽጥን ግዳምን ሪኡ፣ ምእንተ ሓድነት ህዝቡን ዓዱን፣ ምእንተ መፃወቲ ደቂ ሕድርትና ከይንኸውን ብዝብል እዩ፡፡ ስለዙይ ክንዲ’ቱ ናይ ህዝብና ለባምነትን ተፃዋራይነትን እኳ እንተዘይኮነ፤ ብቑዕን ንቱ ዝሓለፈ ዘከሓሕስን መሪሕነት ግድን ይብል! ንዙ ወረጃ ህዝቢ ዝመርሑ ብዓቐኑ ብቑዓት መራሕቲ ንሕረየሉ፡፡ ህዝብና ኩሉ ተፃዊሩ፤ «ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ» እንተበለ፤ ዘይተበደለ፣ ዘይተሰምዖ፣ ዘይጉሃየ፣ ዘይሓዘንን ዘየማረረን ኮይኑ ኣይኮነን፡፡ «ንደቀይ እሞ ምስ መን ኮይነ!» ኢሉ ልቢ ኣዕቢዩ ድኣምበር፡፡
ስለዙይ ንዙ ህዝቢ እዙይ ዓቕምኻ ፀንቂቕካ ተዓፃፂፍካ ኣብ ክንዲ ምክሓስ፤ ሎሚ እውን ዘላግፅ ዝጉሕልን ዝክሕድን ኣባል መሪሕነት ኣብ ትግራይ ምርኣይ የመና የጉህይ፡፡ ድሕሪ እዙ ኹሉ ፅንተት፣ ከም ህዝቢ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ፤ ኣብ’ዙ ሎሚ ሰዓት ከም’ዙይ ዓይነት ኣባል መሪሕነት ኣብ ትግራይ ምህላዉ፤ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ድጉል ሓዊ ኣንፂፉ ከም ዝደቀሰ ይቑፀሮ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ብተኣማንነትን ግሉፅነትን እትመርሖን እትክሕሶን፣ ሉኣላዊ መሬቱ ክኽበር፣ ናብ ዝሓርበቶ መረበቱ ክምለስ፣ ደቁ ዕድል ስራሕ ረኺቦም ካብ ስደት ክናገፉ እትቃለሰሉ እምበር፤ ብህዝብን ዓድን እናተዋገኻ፣ ኣብ ውልቀ ሕዱር ጎንፅን ቂምን ሸኺልካ ብሸርሕን ክሕደትን እናተራጋሕኻ እትዕንድሩሉ ግዘ ኣይኮነን፤ ግድን ይኣክል ክብሃል ኣለዎ!
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 36 ማዕልትታት» የራኽበና!«መቐለ 36 ማዕልትታት»
5 ታሕሳስ 2017
Ø ትግራይ ዓደይ እሞ እንታይ ድኣ ይገበር? መፍትሒኡ እንታይ እዩ?
Ø እቱ ቀንዲ ፍልፍል ፀገም ትግራይ ነፂርካ ኣብ ምውጋድ እዩ እቱ መፍትሒ፡፡
Ø እሞ እቱ ንትግራይ ናብ’ዙ ብርኪ ዘውረዳ ፍልፍል ፀገም እንታይ እዩ?
Ø «ህዝብታት» ዝብል ህዝባውነት፣ ቂምን ጥቕምን እዩ እቱ ቀንዲ ፀገም፡፡
Ø እንታይ ማለት እዩ «ህዝብታት» ?
Ø እወ ንሎማዕልቲ «ህዝብታት» ዝብል ህዝባውነት ኣመልኪትና ንዘቲ:: ሉኣላውነት ትግራይ ይረጋገፅ! ህዝብና ናብ መረበቱ ይመለስ! ሕግን ስርዓትን ይከበር! ሰናይ ምምሕድዳር! መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ይረጋገፅ! ወዘተ… ንዚኦም ኩሎም ቀይዱ ሒዙ ዝመፀን ዘሎን ፀገም «ህዝብታት» ዝብል ኣርኣእያ ህዝባውነት እዩ፡፡
Ø ከመይ ማለት እዩ?
መልሱ ንኽነግረካ፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት (ካብ 1977 ክሳብ 2017) ብብርኪ ማእከላይ ኮሚቴን ኣፈፃሚ ስራሕን ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዝነበሩን ዘለዉን፤ ብህይወት ዘየለዉ ኮነ ዘለዉን ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣክበለይ፡፡ ካብ ኣረጋዊ መለስን ስብሓትን ክሳብ ስየ ፃድቃን ገብሩን፤ ካብ ኣረጋሽ ሞንጀሪኖ ክሳብ ደብረፅዮንን ጌታቸው ረዳን፤ ወዘተ… እገለ ካብ እገለ እንተይበልካ ኩሎም፤ ክንዲ ፍረ ጣፍ ኣፈላላይ ዘይብሎም ንትግራይ ዝሪኡዋ ከም ሃገራ «ህዝብታት» ብዝብል ህዝባውነት እዩ፡፡ ንኣይ እዚኣቶም ኩሎም ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ብርለ ከምዘሎ መስተ ገይረ እየ ዝሪኦም፡፡ ኣፈላላዮም ኣብ ስልጣን መን መንጠለን ቂምን እምበር፤ ብታ ክሳድ ብርለ ከም ዝወፅእ መስተ ኣብ ሓደ ገንኢ ከም ዝተፀሞቐ መስተ ሓደን ሓደን ኣርኣእያ እዩ ዘለዎም፡፡
ከም ተጋሩን ብፅቡቕ ጎኖምን ኣኽብሮም፤ ምስ ገሊኦም ሓቢረዮም ዝሰራሕኹን ዝሰርሕን እንተኾንኩ እውን፤ ንትግራይ ብዝምልከት መሰረታዊ ኣፈላላይ ኣለኒ፡፡ ገለ ነጠፍቲ ንምንታይ ፈሊኻ ዘይትፅሕፍ እትብሉ እሰምዕ፤ ኣብ ፅባሕ ክምልሰልኩም። እዚኦም ኩሎም ግና ብመትከል ንትግራይ ዝሪኡዋ ብዓይኒ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ እንተልያ እያ ትግራይ እትነብር፣ ኢትዮጵያ እንተፀጊባ እያ ትግራይ እትዕንገል ኢሎም ዝኣምኑ እዮም፡፡ እዙይ መበቆላዊ ብዝመስል ናይ ኩሎም እምነት ስለዝኾነ፤ ካብ ትግራይ ንኢትዮጵያ እዮም ዘቐድሙ፡፡ ንቱ መበቆሎም ህዝቢ ትግራይ ዝሪኡሉ ድሕሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፡፡
ስለዙይ ፃድቃን፣ በየነ ምኽሩ፣ ኽንደያ ገብረህይወት ኮነ ካልኦቶም፤ ሰራዊት ትግራይ መሊኡ ንምፍራስ፣ ጀኖሳይደር ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ፣ ሰራዊት ትግራይ ጓና ኮይኑ መኻይን ትእምት ክምንጠል ወዘተ… ንጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ጥርዓን ምቕራቦም፤ ሓዱሽ ነገር ክኾነና የብሉን፡፡ ኩሎም ካብ ብጉሓቱ እምነቶምን ዝመፁሉ ተግባሮምን ንትግራይ ካልኣዋይ ገይሩ ዝጓነየ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እዩ እኮ፤ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘበነ ስልጣኖም ንትግራይ ረሲዖምዋ ንኢትዮጵያ ዝሃነፁ፡፡ ባንኪ ስልኪ ኩሉ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እዛ ሃገር ኣብ ማእኸል ክጥርነፍ ዝገበሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዓቕሚ ከይሃንፅ ቆሪኖም ብጥራሕ ኢዱ ኣብ ክባን ዕፅዋን ንጀኖሳይድ ክሳጣሕ ምቹው ኩነታት ዝፈጠሩ፡፡ ስለዙይ እቱ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እምነት ኣተሓሳስባ «ህዝብታት» ኩልሻብ ንህዝብታት ኢትዮጵያ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ማእኸል ስለዘይገብር ስለዘየቕድም፤ ንቱ ብመሪር መስዋእቲ ዝተሃነፀ ሓይሊ መኸተ፣ ንቱ ውሕስነት መደራደሪ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ኣልዮም፤ ንቱ ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓላዊኦም ክገብሩ መፀዋዕታ ምግባሮም፤ ሓዱሽ ሃንደበት ዝነጠበ ኣተሓሳስባ ኢለ ክቖፅሮ ኣይኽእልን፡፡
ንድሕሪት ከይደ ሓደ ዛንታ ከዋግዕ፡፡ህወሓት/ኢህወደግ ኢትዮጵያ ምስተቖፃፀረ፤ ደርጊ ኣብ ምውዳቕ ተመልከቲ ንዝነበሩ ካልኦት «ህዝብታት» ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምእታዉ ቅድሚ ኩሉ እዞም መራሕቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፤ ምምጥጣን ብዝብል ንቱ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዘእተዎም ከቢድን መሪርን መስዋእቲ ዝኸፈለ ተጋዳላይ ትግራይ ምስንባት እዩ ነይሩ፡፡ ኣሽሓት ተጋደልቲ ትግራይ ንወርሒ ዘየፅንሕ ቅርሺ ተዋሂቦም ብዘይ ምንም ቅድመ ምድላውን መጣየሽን ተሰናበቱ፡፡ ኣሽሓት ተጋደልቲ ገሃን መሃን ኮይኖም ኣብ ከቢድ ፈተና ወደቑ፡፡ መዓዝ እዙይ ጥራሕ፤ ንቶም ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝተረፉ ተጋደልቲ እውን ብስልጣንን ጥቕማጥቕምን ንመብዛሕቲኦም ትሕቲ እቶም ዝማረኹዎም ደርጋውያን ገበሩዎም፡፡ ዝርዝሩ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝነበሩ ነባራት ተጋደልቲ ትግራይ ከዘንትውዎ ወይ ክስንዱዎ እዮም፤ ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ፡፡ እዙይ ዘርእየና ብሓፈሻ እቱ ዝነበረን ዘሎን መሪሕነት መነፅሩ «ህዝብታት» ኢትየጵያ እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣይነበረን ኣይኮነን፡፡ እዙ ቀዳማይ መንሽሮ ኣተሓሳስባ ዘይተዓረየ ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ መፍትሒ ክረክብ ኣይኽእልን፡፡
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 35 ማዕልትታት» ክምለሰሉ
«መቐለ 35 ማዕልትታት»
6 ታሕሳስ 2017
ንዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት «ህዝብታት» ብዝብል ኣርኣእያ ኩሎም ገዛእቲ ትግራይ እናተባረዩ ብዝኸዱዎ ስሑት መንገዲ እዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ’ዙ ሎሚ ዘለወሉ ኩነታት ጥሒሉ ዘሎ፡፡
እዙ ናይ ሎሚ ደንበ ፈልዩ ውልቀ መራሕቲ እናምለኸ የማን ፀጋም ዘጣቕዕ ዘሎ ገለ ክፋል ወለዶ ኣይፈልጦን ይኸውን እምበር፤ ብ1981 ተጋዳላይ ትግራይ ንከተማ መቐለ ምስተቖፃፀረ ንኢትዮጵያ ዝግበር ምንቅስቓስ፤ «ኣበደን ካብ’ዙይ ናበይ? ትግራይ ሓራ ኮይና ኣላ ንሓርነት ትግራይ ኢና ተቓሊስና» ኢሉ ነይሩ፡፡ እዋን ደውታ ኢሎምዎ፡፡ «ደርጊ መሊኡ ዘይተቓበፀ ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ክረጋገፅ ኣይክእልን» ምስተብሃለ ግና ንደርጊ ከቃብፅ ገዚፍ መስዋእቲ ተጋሩ ተኸፈለ፡፡ ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ «ህዝብታት» ኢትዮጵያ ሓራ ኮይኖም፡፡
እዙ ኢትዮጵያ ሓራ እንተዘይኮይና ትግራይ ሓራ ኣይትኸውንን ዝብል ኣምር መራሕቲ ትግራይ ኣብ 2014 እውን ተደጊሙ፡፡ ከም ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወራር ፅንተት ምስ ፀደፍና፤ ድሕሪ መቐለ ምቁፅፃርን ደቡባዊ ንቆቦ ምንቅስቓስ ምጅማሩን፤ ምስ ምምሕድዳር ባይደንን ካልኦት ሃገራትን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ጥራሕ ክነኽብር፤ ካብኡ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከይግበር ለበዋታት እናመፁ፤ መራሕትና ግና ናብ’ታ ኣመሎም ኢትዮጵያ ተቋሚቶም፡፡ «ሕደጉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብተጋሩ ክምራሕ ድልው ኣይኮነን፣ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሓያል ፅልኢት ኣሎ፣ እዛ ሃገር ናብ ዕግርግርን ደም ምፍሳስን ክትኸይድ ኣይንደልን» ዝብል ለበዋ ምዕራባውያን ነፂጎም ጉዕዞ ኢትዮጵያ ቀፀሉ፡፡ እሞ ድማ እቱ ሽዑ ዝተጠረየ ሰራዊት ትግራይ ኣይኮነን ንኢትዮጵያ ክቆፃፀር፤ ቆም ንቖም እንተተዘርጊሑ እኳ መንገዲ መቐለ ኣዲስ ኣበባ ስርዓት ከኽብር ከምዘይኽእል እናተፈለጠ፡፡ እሞ ድማ እቱ ሙሉእ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ሰሜን፣ ሰሜን ምብራቕ ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላኢ እናሃለወ፤ ናብ’ታ ሕልሞም ኢትዮጵያ ተሃንጠዉ፡፡ ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ እውን ዋጋ ተኸፊሉ፡፡ «ንህዝብታት» ኢትዮጵያ ክብሃል!
«ህዝብታት» ምስ ዝብል ሕመቕ ኣተሓሳስባ ተተሓሒዙ ቀፂሉ ዝመፅእ፤ ካብ’ቶም ቀንዲ መንቀሊ ውድቀት ኣመራርሓ ትግራይ፤ ህረፍ ስልጣንን ጥቕማ ጥቕምን እንትኾን፤ ንኡኡ ክብሉ ድማ ንኢትዮጵያ ዘለዎም ተኣማንነት ንምርግጋፅ ብህዝቢ ትግራይ እናተዋገዩ ዝኸዱዎ ርሕቐት እዩ፡፡ እዙ ተርእዮ እዙይ ካብ ድሕሪ ሞት ንጉሰ ነገስታት ዮሃንስ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ዳርጋ ብኹሎም ገዛእቲ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ክሕደት እዩ፡፡ መርኣያ ክኾነና ገለ ቀሩብ ኣብነታት ንጠቀስ፡፡
1. መሳፍንቲ ትግራይ ንጉሶም ምስ ሰኣኑ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቱ ሓደ ልዕልና ክህልዎ ንምኒልክ ተኣማኒ ክኾኑ፤ ነንሕድሕዶም ክራግሑ ትግራዋይ ንንሕድሕዱ ኣዋጊኦምዎ ክንደይ ጥፍኣት ኣብፂሖም፡፡ ብድሕሪኡ ትግራይ ተዳኺማ ሙሉእ ብሙሉእ ንመግዛእቲ ምንሊክ ወዲቓ፡፡ ምኒልክ እውን ልዕሊ መረብ ሰሜንን ደቡብን ትግራይ መቓቒሉ፣ ሓይሊ ትግራይ ምድኻሙ ከይኣክል ነዊሕ ርሕቐት ከይዱ፡፡ ንቱ ሰሜን ንጥልያን ኣረኪቡ ካልኣይ ምስ ደቡብ ከይራኸብ ምግባሩ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ እቱ ንኣኽሱም ዝሓዘ ደቡብ እውን ሰላም ኣይህበንን ብዝብል እቱ ልሙእ መሬት ወልቃይት ፀገደ ፀለምቲ ገሚዑ ንእንዳ ሓሙ ንቤገምድር ኣሕሊፉ ሃቦም፡፡
2. ኣብ እዋን ቀዳማይ ወያነ ልዕሊ ሸዋውያንን እንግሊዝን ንወየንቲ ትግራይ ዝተዋግኡዎምን ከቢድ ፈተና ዝኾኑዎምን መሳፍንቲ ደገዝማቻት ትግራይ እዮም ነይሮም፡፡ ምስ ሽዋን እንግሊዝን ተሓባቢሮም ወያነ ምስተስዓረ እኳ፤ ንኣሽሓት መራሕቲ ወያነ እንደርታ ራያ ክልተኣውላዕሎ ኣብ ቤት ማእሰርትታት እናዳጎኑ ብለበዳ ሕማም ክውድኡ ዝገበሩ ደገዝማቻት ትግራይ እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ እውን ሃይለማርያም ምእንተ ህዝቡ ኢዱ ምስሃበ፤ ኣብ እግሪ እቶም ንጉስ ተሰጢሖም «ሃይለማርያም ክሳዱ ይውሃበና መርኣያ ክኾን ኣብ ትግራይ ክንሰቕሎ» ኢሎም ዝለመኑ ደገዝማቻት ትግራይ እዮም፡፡ ብድሕሪ እዙ ኹሉ ግና ሃይለስላሰ ካልኣይ ከይድገም መቀፃፅዒ ኢሉ ንራያ ኣብ ክልተ ራያ ቆቦን ራያ ዓዘቦን ኢሉ መቒሉ፤ ንራያ ቆቦ ካብ ትግራይ ነፂሉ ንወዱ ኣልጋወራሽ ዘመሓድሮ ዝነበረ ወሎ ሓወሶ፡፡
3. ካልኣይ ወያነ ተኻዪዱ ብመስዋእቲ ትግራይ እዛ ኢትዮጵያ ሓራ ምስወፀት፤ ዘበናውያን ደገዝማቻት ትግራይ ከመይ ገይሮም ንተጋዳላይ ትግራይ ምምጥጣን ብዝብል ከምዝበተኑዎ ትማሊ ሓቢረ እየ፡፡ ክንዲ መሪር መስዋእቲ ምኽፋልና ልዕሊ ፍርቂ ትግራይ ዝመሓደረሉ ዝነበረ መሬት ኣርሆ ዘሀገሩ እዞም ደገዝማቻት እዮም፤ ምእንታን ተኣመንቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ክነብሩ፡፡ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ሓረስታይ ትግራይ ክረምቲ ክሳብ ቀውዒ ማሕረሱ ገይሩ ሙሉእ ሓጋይ ብጨው ኣርሆ እዩ ዝመሓደር ነይሩ፡፡
4. ሎሚ ድማ ዘበናውያን ደገዝማቻት ትግራይ ብጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ክእመኑ፣ ስልጣን ክረኽቡ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ሃፍቲ ከኽብሩ እንትብሉ፤ ቀንዲ ጠመትኦም ሰራዊት ትግራይ ምፅላም ምፍራስ ኢሉ እውን ትግራይ ንጀኖሳይደር ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኮይኑ፡፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ኣትሒዙ ብኹሉ ኣንፈት መሬት ትግራይ ኣሀጊሮምን ህዝብና ኣደዳ ምምዝባልን ስደትን ገይሮምን ኣይግዶምን! ኣይኮነንዶ ፍትሒ ክነግስ ጀኖሳይደራት ኣብ መጋብኣያ ዓለም ክንፋረዶም ክሓቱ፤ ምስ ጀኖሳይደር ኢትዮጵያ መዳቕስቲ ኮይኖም ዓይኖም ጥብኖም ኣብ ልዕሊ እቱ ሓይሊ መኸተ ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ፡፡
እዙይ ገለ ኣብነታት እምበር ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ከይዲ ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ትግራይ፤ ንህዝብታትን ንገዛእትን ኢትዮጵያ ተኣመንቲ ኮይኖም ክቐርቡን ክሽወሙን፤ ንህዝቢ ትግራይ መዋገዪ ገይሮምዎ፣ ብኪሳራ ህዝቢ ትግራይ ነቢሮም፡፡ ሐዚ እውን ንቱ ዝመፁሉ ክሕደት ኢና ንዕዘብ ዘለና!
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 34 ማዕልትታት» እቱ ሳልሳይ ፍልፍል ፀገም መራሕቲ ትግራይ ንዝትየሉ!

ንትግራይ ከም ትግራይ ክትድሕን እቱ መፍትሒ ዝኸውን
«መቐለ 33 ማዕልትታት»
8 ታሕሳስ 2017
«ስጡሕ ጎልጎል ገይሮምናስ ኣፍራሶም ሰሪሮም ይዕንድሩልና ኣለዉ» በለ ብግፍዒ ገዛእቱ ዝመረሮ ሓረስታይ ትግራይ! መሬት ትግራይ ተጎቢጡ፣ ህዝብና መረበቱ ሓርቢቱዎ፣ በስእነት ስራሕን ሰላምን ከፊኡዎም ደቁ እናተሰደዱ፣ ዕድል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ መፃብብ እናተቐርቀረ፣ ግዘ ዘይህቡ ዋኒናት ትግራይ ንጀኖሳይደራት ኣሀጊሮም፤ ዘበናውያን ገዛእቲ ትግራይ መሸ ሓዳሮም ወለዶ ትግራይ ምንኻስን ንትግራይ ምብራስን ኮይኑ!
ሃይ በሃሊ ተሳኢኑ ወይ ወሰን ሒዙ፤ ደምበ ፈልዩ ዘጣቕዕን ኣብ ልዕሊ ዝባራዕ ዘሎ ገዝኡን ስድርኡን ነዳዲ ዝውስኽን በዚሑ! ዝህንደድን ዝንህርን ሓዊ ዘእቱ እምበር፤ ንመፃኢ ዕድል ስድራና ጠሚቱ ማይ መላሲ ውሒዱ!
ውነ ዘለዎ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝበለ ኣብ ኩሉ ደምበ ዘሎ ህድእ ኢሉ፤ ድሌትን ኩነታትን ውልቀ ገዛእቲ እንተይኮነስ፤ ውሽጣውን ግዳማውን ህልዊ ኩነታትን ባህግን ትግራይን ህዝባን ይጠምት!
ኩነታት ናበይ የምርሕ ከምዘሎ ኩሉ ቅሉዕ እዩ! ስለዙይ ንኹሉ ብሉፅ ሓሳባት ትግራይ በዝሓቁፍ እኩብ ኣመራርሓ (collective leadership) ስሉጥ መፍትሒ ምንዳይ እዩ ተሪፉ ዘሎ!
ካብ ሰራዊት ትግራይ፣ ካብ ህወሓትን ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ትግራይ፣ ካብ ልሂቃንን ዓበይቲ ዓድን ዝተወፃፅአ፤ ንኹሉ ብሉፅ ሓሳባት ትግራይ ዝሓቁፍ እኩብ ኣመራርሓ (collective leadership) ብቕልጡፍ ብምጥያሽ ጥራሕ እዩ ትግራይ ክትድሕን እትኽእል::
እዙይ ንምግባር ድማ፤ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳይን ኣይተ በየነ ምኽሩን ካብ ፖለቲካዊ ፣ መንግስታውን ኣመራርሓ ትእምትን ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ክለዓሉ ኣለዎም:: ኣብ’ዙ እዋን ጠንቂ ሰላምን ደሕንነትን ትግራይ ኮይኑ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ንሕንሕ እዞም ሰባትን ሰዓብቶምን ስለዝኾነ፤ ካብ ዝኾነ ይኹን መድረኽ ትግራይ ድሕር ኢሎም፤ ሰላምን ምርግጋእ ብምፍጣር ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕልጡፍን ብሙሉእነትን ዝትግበረሉ ከይዲ ስግግር ብህፁፅ ክጣየሽ ኣለዎ:: እዙይ እዩ እቱ ተሪፉና ዘሎ መፍትሒ!
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 32 ማዕልትታት» የራኽበና
ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ እዮም እቶም ሰብዋና ቀንዲ ዋኒን ትግራይ! ንዝመፀ ክፋእን መከራን እውን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉን ተፃወርትን ንሶም ስለዝኾኑ! ፖለቲከኛታት እማ ፅግዕተኛ እምበር ሰብዋና ኣይኮኑን! ስለዝኾነ እዩ ድማ በይዛኹም ፖለቲካዊ መራሕቲ ንኩነታትን ድሌትን ህዝብን ሰራዊትን ኣዳምፁ እትብሃሉ ዘለኹም!
«መቐለ 32 ማዕልትታት»
9 ታሕሳስ 2017
ኣቱም ሰባት ካብ ጓሶተን ዝጠፍኣ እንሰሳት ዘቤት እኳ እምባህሕ እናበላ እናተዳመፃ ንዋንአን ይእልሻ:: ብዓል ዋንአን እውን ምስ ሰቡ ብኹሉ ኣንፈት ንኣለሻ ይዋፈር እሞ፤ ብሰላም ናብ ደምብአን ይኣትዋ:: ኣድጊ በቕሊ እንተጠፊአን እዩ እቱ ፀገም፤ ኣይዳመፃ ገዛ ስድራ ከምዘለወን ኣይዝክራ፤ ቃጠምጠም እንትብላ ኣደዳ በላዒ ይኾና::
ኣብ ኣዳራሻት ሽኹርትት ስለዝበልካን ኣብ ቅድሚ ጀኖሳይደራት ስለዝተሰጣሕኻን ትግራይ ክትድሕን ኣይትኽእልን! እኳ ድኣስ ካብ ማዕልቲ ናብ ማዕልቲ ዝገደደ ተፅድፉዋ ኣለኹም! ንስኹም ኣበየ ኣበየ ውዒልኩም፤ ሰልፊ ፀላእቲ ኣብ ምዕራብ እንታይ ይምስል ነይሩ ምርኣይ እኹል ምስክርነት እዩ!
ብሳላ ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሳተፈሉን ዘረጋገፆን ስምምዕ ጨቢጥካ ዶ፤ ተፀባዪን ተመፅዋትን ኣራት ኪሎ ትኸውን! ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ፅኑዕ መትከሎም ኣብ ዝኾነ ኣብ ድርኩኺት ጀኖሳይደራት ተሰጢሕካ እናጠበርካን እናተሓሳሰኻን ምፅዋት ብምፅባይ ዝፍታሕ ጉዳይ ትግራይ የለን! ወግሐ ፀብሐ ኣብ ኣዳራሻት ተኣኪብካ ሽኾርተት ስለዝበልካን ስለዝጨደርካን ዝፍታሕ ጉዳይ ትግራይ የለን!
እዙ ኣካይዳ ጥልመት ስውኣትን ህዝብን እዩ! ውፅኢት ዝለመሰ ኣካይዳ መሪሕነት ትግራይ እዩ! ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ኣንፈትን ኣመራርሓን ክተክል ይትርፍስ፤ ኣብ ኢዱ ንዝጨበጦን ንኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ንዘረጋገፁዎን ዓለምለኸ ስምምዕ እኳ፤ ከም ልኡኽቶ ከተግብር ዓቕሚ ዘይብሉ መሪሕነት!
ትማሊ ኣብ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ መሰጋገሪ መፍትሒ ሪኢቶ ኣብ ፌስቡክ፣ ብዋትስኣፕ፣ ብቴሌግራም፣ ብሜሰንጀር፣ ብቀጥታ ስልክን ቴክስትን ክሳብ ሐዚ ከባቢ ሽሕ ሪኢቶ ተቐቢለ::
Ø 16% ዝኾን፤ ንምንታይ ንእገለ ዘይሓወስካ፤ ንምንታይ ንእገለ ይልዓል በልካ ዝብሉ፤ ካብ’ቱ ቀንዲ ሓሳብ መሰጋገሪ መፍትሒ ውፅእ ኢሎም፤ ንውልቀ ሰባት ዝጣበቑን ፈልዮም ዝነቕፉን እዮም::
Ø 19% ዝኾኑ፤ ውልቀ ኣመራርሓ ምልዓል ኣይኮነን እቱ መፍትሒ መሰረትዊ ለውጢ እዩ ዘድልየና ዝብሉ እዮም::
Ø 48% ዝኾኑ ንዙ ሓሳብ ብሙሉእነት ብምድጋፍ ንእኒእገለ መራሕቲ እውን ተሓዊሶም እንተተላዒሎም ለውጢ ክመፅእ ከምዝኽእል ዝገለፁ እዮም::
Ø 13% ዝኾኑ፤ እቱ ሓሳብ ዝድገፍ እኳ እንተኾነ ክትግበር ዝኽእለሉ ባይታን ኩነታትን የለን ዝበሉ እዮም::
Ø 4% ዝኾኑ፤ ብሓሳብ ክገልፁ ስለዝይከኣሉ ኣብ ፀርፍን ፀለመን ዝተዋፈሩ እዮም::
ኣብ ፅባሕ «መቐለ 31 ማዕልትታት» የራኽበና!