Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መቐለ፡ ኣብ እንዳ መስተ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

ቤት መስተ
መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ቦምባ ዝተፈጸመሉ ቤት መስተ ዳዕሮ

25 ነሓሰ 2023

ኣብታ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣሽሓት ኣጋይሽ እተተኣናግድ ዘላ ከተማ መቐለ ኣብ ቤት መስተ ብውልቀ ሰብ ዝተደርበየ ነታጕ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለን 20 ሰባት ከምዘቑሰለን ተገሊጹ። 

እቲ ሓደጋ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 8፡45 ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ፡ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ቤት መስተ ዳዕሮ ከምዝተፈፀመ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ተዛሪቦም።

እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ እንዳ መስተ ምስ እትሰርሕ መሳሰይት ዝፈጠሮ ጎንፂ ስዒቡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣዛዚ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ገሊፆም:: 

ሆስፒታል ዓይደር ብወገኑ 20 ዝቖሰሉ ሰባት ከምዝተቐበለን ካብኣቶም እቶም ሓሙሽተ ብፅኑዕ ከምዝተሃሰዩ፡ ዝተረፉ ግና ቅልል ዝበለ መጉዳእቲ ከምዝበፀሖም ኣተሓባባሪ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ዓይደር ኣበበ ሃብቱ ገሊፃ።

እቲ ውልቀሰብ ዝተሰናበተ ተጋዳላይ ከምዝኾነን F1 ዝበሃል ናይ ኢድ ቦንባ ኣብ ማእከል እቲ ቤት መስተ ከምዘፈንጀረን እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ገሊፆም። 

ነቲ ሓደጋ ዘውረደ ውልቀሰብ ዛጊድ ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ከምዘይወዓለን ክትትል ይግበር ምህላውን ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ገሊፁ ኣሎ። 

ኣብቲ እንዳ መስተ በዓል ዘኽብሩ ዝነበሩን ሓደጋ ወሪድዎም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ሕክምና ዘለዉ ግዳያት ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ገሊጾም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *