
ኣብ ትግራይ፡ መሳርሕታት ሕክምና ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ከም ዝተዘመተ ተፈሊጡ።
መሳርሕታት ሕክምና እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል፡ ብ 01 ነሓሰ 2015 [ኣ ግ] ለይቲ ከም ዝተዘመተ ምንጭታት ።
መዲካል ዳይረክተር ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ዶክተር ክብሮም ተወልደ፡ “ዕለት 01 ነሓሰ ናብ ዕለት 02 ኣብ ዘወግሕ ለይቲ መስኰት ብምስባር መሳርሒ ሕክምና ባዮሜትሪን ካልኦት መሳርሒ ሕክምናን ወሲዶም” ክብል ኣረጋጊጹ።
ባዮሜትሪ፡ ስታቢላይዘር፡ ፕሪንተር፡ ኣውቶቴራፖሜትርን ኤስካንን ዝበሃሉ መሳርሒታት መርመራ ዓይኒ ከም ዝተሰረቝ ኣነጺሩ።
ዶክተር ክብሮም፡ “መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ ‘ካታራክት’ እንትካየድ፡ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ሌንስ ስለዘሎ፡ ናይቲ ሌንስ ስፍሓቱ ንምዕቃን እንጠቀመሎም መሳርሕታት እዮም ነይሮም” ክብል ዓይነታትን ኣገልግሎትን እዞም ዝተዘመቱ መሳርሒታት ሕክምና ኣረዲኡ።
Source BBC.
