ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ይህነፁ ኣለዉ።
እዚ ዝተሓበረ ብምኽንያት ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ ፎሮም ከተማታት ትግራይ፣ ከንቲባታት፣ ሓለፍቲ ቤት መዘጋጃን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት መሰረተ ልምዓት እዩ።
ዕላማ እዚ ዑደት ከተማታት ዘለወን ተመክሮ ብምልዉዋጥ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ግልጋሎት ንምሃብን ኩለመዳይ ዕብየት ከተማታት ንምምጥጣን ከም ዘኽእል ኣብቲ እዋን ዝተረኸባ ሓላፊት ካቢነ ሴክሬተርያት መሰረተ ልምዓት ትግራይ ወ/ሮ ያለም ፀጋይ ሓቢረን።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከቢድ እዋን’ውን እንተኾነ ልምዓት ከም ዝከኣል ብተግባር እናመስከረ ይርከብ ዝበላ ወ/ሮ ያለም፣ ካልኦት ከተማታት ትግራይ’ውን ዉሽጣዊ ኣታዊአንን ካልኦት ኣማራፅታትን ብዝግባእ ብምጥቃም ክሰርሓ ይግባእ ኢለን።
ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ብፍላይ ንስድራ ስዉኣትን ተመለስቲ ተጋደልቲን ቐዳምነት ኣብ ምሃብ ፅቡቕ ክያዶ ኣሎ ዝበላ እተን ሓላፊት ፣ኣብ ሕድሕድ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ህዝብ ዘርእዮ ዘሎ ደገፍን ክትትል ዝነኣድ እዩ ኢለን።
ስራሕ ኣካያዲ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ወረስ ገ/ፃድቓን ብወገኖም ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ይህነፁ ከምዘለዉ ገሊፆም። ኣብ 1ይ ዙር 25 ኪሎ ሜትሮ፣ ኣብ 2ይ ዙር 44.5 ኪሎ ሜትሮ ኣብ 3ይ ዙር ድማ 9 ኪሎ ሜትሮ ኣስፋልት መንገድታት ብዝተትሓዘሎም ትልሚ መሰረት ይህነፁ ከም ዘለዉ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ 74 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ፀፀር መንገዲ ኣብ ከይዲ ምዝዛም ዝርከቡ እንትኾኑ 16 ዝተፈላለዩ ተፋሰሳት፣ 2 ሰፕቲክ ታንክ፣ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝህነፁ ዘለዉ 7 እንዳ ባኒ ሸዳት ክሳብ 15 ሰነ 2016 ዓ/ም ህንፀቶም ከምዝዛዘም ገሊፆም።
ዳግመ ህንፀት ኣስፋልት ነባራት መንገድታት ከተማ መቐለ ዛጊድ ፀፀር ስራሕቲ ምንፃፍ ዝተጀመረ እንትኾን ክሳብ 15 ሰነ 2016 ዓ/ም ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዛዘም ሓቢሮም። ብልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ሕድሳት ሆስፒታል መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸዉን ጥዕና ጣብያ መቐለ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ንምዕባይ ዝተትሓዘ መደብ ጨረታ ተወዲኡ ኣብ ቀረባ ናብ ተግባር ከም ዝእቶ ኣይተ ወረስ ወሲኾም ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 25 መንደራት ዝርገሐ 10 ኪሎ ሜትሮ መብራህቲ ጎደና ዝተዛዘመ እንትኾን 7 ትራፊክ መብራህቲ ዝትከሉ ዘለዉ ኮይኖም እቶም 4 ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ገሊፆም።
ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ብወገኖም ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ዘርእዮ ዘሎ ተበግሶ ብምንኣድ ዉሽጣዊ ኣታዊታትናን ካልኦት ፍልፍል እቶታት ፀንቂቖም ብምጥቃም ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ብትኹረት ከም ዝሰርሑ ገሊፆም፤ ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ከም ዝፀብፀቦ።
20 ጉንበት 2016 ዓ. ም
መቐለ
