Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መሰረተ ልምዓታት ኣብ ዳግማይ ህንፀት ትግራይ ዝምልከት ዘተ ምስ መንገዲ በዓል ስልጣን ኢትዮዽያ  ተካይዱ

ካብኔ ሴክሬታራት መሰረተ ልምዓት ትግራይ ምስ መንገድ በዓል ስልጣን ኢትዮዽያ ፣ከተማን መሰረተ ልምዓትን ሚኒስተር፣ትራንስፓርትን ሎጅስቲክስን ሚኒስተር ትራንስፖርት ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ሎጅስትክስን ዘርፊታት ኣብ ጉዳይ ምፅጋን ምቕፃልን ምህናፅን ምጅማርን ትራንስፖርት፣ኮንስትራክሽን ፣መንገድታትን ካልኦት ህዝባዊ ግልጋሎታትን ከተማ ግልጋሎታትን ኣመልኪቶም ዘትዮም ፡፡ ኣብ ቐረባ እዋን ስራሕ ንምጅማር እውን ተስማዕሚዖም ኣለው ፡፡

ተወከልቲ ኮንትራክተራት ማሕበራት ትግራይ፣ትራንስፖርት ማሕበራት ትግራይ ፣ሱር ኮንስትራክሽንን ትራንስ ኢትዮዽያን ካልኦትን ተረኺቦምን ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሕቶታት ዕንወት ፣ልቓሓት ወለዳትን ካልኦትን ሕቶታት ተላዒሎም እዮም፡፡ ኩሉ ግልጋሎታት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ከም ዝሰርሑ ቓል ኣትዮም ፡፡

እቶም ብሚኒስተር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኢትዮዽያ ኣቶ ወንድሙ ሴታ ዝተመርሐ ልኡኽ ፌዴራል ካብ ሚኒስተር ኣብያተዕዮ ዝመፁ ሚኒስተር ዴኤታታት ኣብ ትግራይ ብምክንያት ኩናት ዝዓነው፣ህንፀቶም ዝተቛረፀ፣ ንብረቶም ዝተወረሩ፣ ክህነፁ ተታሒዞም ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ዝተቛረፁ መንገድታት ኮንስትራክሽንን ፣ ኣብ ሳይት ዝነበሩ ናውቲ ኮንስትራክሽን ኩሉ ዝዓነወን ዝተወረረን ህፁፅ ፅንዓት ዘድልዮም ኣፅኒዕካ ንምህናፅን ካልኦት ተወሰኽቲ ስራሕቲ ንምስራሕን ዘኽእል ዘተን ምርድዳእን ተገይሩ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *