ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢንተር-መንግስታዊ ውድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወይ ኢጋድ ተረኺቡ ከምዝነበረን፡ መወዳድርቱ መራሒ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዳጋሎ ድማ፡ ምስ መራሕቲ ኢጋድ ብተሌፎን ኣዘራሪቡ።
በዚ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ምባል፣ ፊት ንፊት ብምምኽኻርን ንሽግራቶም ብፖለቲካዊ ዘተ መፍትሒ ክረኽቡን ከምዝተሰማምዑ ኢጋድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ስምምዓት ምቁራጽ ተኹሲ ነዊሕ ከይጸንሐ ፈሺሉ እዚ ድማ ኣድማዒ ክኸውን ድዩ ኣይክኸውንን ግዜ ክሕብር እዩ።
ኣብ ሱዳን ብዝተፈጠረ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም። ኣስታት 100 ሽሕ ካብኣቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።
