Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ ከይሳተፉ ኣሜሪካ ትኽልክል ኣላ’ – ሩስያ

ሩስያ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝወረዳ ጸቕጢ ንምምካት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድና ከተሰልፍ ከምእትጥቀመሉ ዝግለጽ ኣኼባ ሩስያ-ኣፍሪቃ ጽባሕ ክጅምር’ዩ።

ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝካየድ ካልኣይ ኣኼባ፡ 50 ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ ፍርቂ ካብዘን ሃገራት ድማ ኣብቲ ኣኼባ ብመራሕተን ክውከላ እየን።

ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ድማ መቐናቕንታ ዝዀነት ኣሜሪካ ግን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከይሳተፉ ጸቕጢ ትገብር ከምዘላ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሩስያ ከሲሱ’ሎ።

ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ኣኼባ ከምዝሓበሮ፡ 50 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝሳተፉ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ካብ መንጐኦም ድማ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒን ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ ሲሪል ራማፎሳን ይርከብዎም።

ኣለዋ” ክብል ተሰሚዑ።

ዳርጋ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ከይሳተፋ ኣብ ነፍሲ ወከፈን ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣሜሪካን ፈረንሳን ጸቕጢ ይግበረለን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዝፈጥራኦ ዘለዋ ጽልዋ ትሻቐል ዘላ ኣመሪካ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ከምዘካየደት ይዝከር።

ሩስያ፡ ኣሜሪካ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣኼባ ንኸይሳተፉ ጸቕጢ ትገብር ኣላ ክትብል ድሕሪ ምኽሳሳ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ “ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ክንድርት ኣይንደልን ኢና። ሃገራት ኣፍሪቃ ኣማራጺ ክህልወን ኢና ንደሊ” ምባሉ ይፍለጥ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምዅናን ኣብ ዝተወሃበ ድምጺ ተዓቂበን’የን።

ብምኽንያት እዚ ኲናት ድማ ሩስያ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድና ክስለፋ ንምግባር ብላዕለዎት ሰበስልጣናታ ኣቢላ ናብ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ መገሻታት ክተካይድ ጸኒሓ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *