ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘጋጠሞ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወራርን ኲናትን ሓዊሱ ታሪኹን ክብርታቱን ንምጥፋእ ዓሊሞም ዝተበገሱ ወራራት ንምሽፋልን ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምዉሓስን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ እናኸፈለ ዝመፀ ክቡር ህዝቢ ኢዩ ዝበለ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ህይወትን ኣካልን መስዋእቲ ዝሓትት ፈታኒ ኩነታት ጫፍ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ብምዃን ግቡኦም ዝፈፀሙ ሃርበኛታት ብፍሉይ ምዝካር፣ምኽባር፣ምክንኻንን ምሕብሓብን ይግባእ ኢሉ።

