Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ክወሃብ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ክወሃብ ዝዳሎ ዘሎ መለለይ መንነትን ብብርኪ ሃገር ዝተኣታቶ ዘሎ ብሄራዊ መንነትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ዓውደ መፅናዕቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፣ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ክወሃብ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ጀነራል ፃድቃን ሕጋዊ መለለይ መንነት ምርካብ መሰል ዜጋታት ምዃኑ ብምሕባር ፣ዜጋታት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ብዝተፀነዐ መንገዲ ሕጋዊ መለለይ መንነት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

ዜጋታት ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባብ ክረኽቡ ብምግባር መሰል ዜጋታት ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ሐዚ ዝረኣ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ምፍታሕ ከምዝከኣል እውን ጀነራል ፃድቃን ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዶክተር ገብረሃወርያ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ሕጋዊ መለለይ መንነት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ናፅነቱን መሰሉን ተገዲቡን ንዘይተደለየ ስደትን ምንግልታዕን ተሳጢሑ እዩ ኢሎም።

ስለዚ’ውን ሕጋዊ መለለይ መንነት ብምሃብ ዜጋታት ውሑስ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣገባብ ንምትዕርራይ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሮም።

እዚ ሕጋዊ መለለይ መንነት ብምዕዳል ቑጠባዊ ዕድል ተጋሩ ምስፋሕን ውሕስ ምንቅስቓስ ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ዓሊሙ ይሳለጥ ዘሎ ዓውደ መፅናዕቲ ፣ብምትሕብባር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን፣ ብሄራዊ መታወቅያን ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት (IOM) እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *