“ሕቶ ውዝፉ መሃያ ናይ መምህራን ጥራሕ ኣይኮነን ፥ ንውድቀና እውን ከም ምኽንያት ክቐርብ የቡሉን” ክብሉ
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
እዚ ዝተገልፀ ስነ-ስርዓት ሽልማት ብሉፃት ተምሃሮ 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።
ፕሬዚዳንት ታደሰ ኣብ ኸቢድ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖምን ቅልውላው ኮይንኹም ነዚ ሽልማት ዝበቓዕኹምን ዘብቃዕኹሙን ኣካላት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
ወሲኾም ድማ ኩሎም ተምሃሮና ልዑል ነጥቢ ከምፅኡ ዋላኳ እንተዘይኸኣሉ እንተነኣሰ በዝሒ ዝሓልፉ ተምሃሮ ንክውስኹ ብርቱዕ ፃዕሪ ክግበር ከም ዘለዎ ድሕሪ ምሕባር “ሕቶ ውዝፉ መሃያ ናይ መምህራን ጥራሕ ኣይኮነን ፥ ንውድቀና እውን ከም ምኽንያት ክቐርብ የቡሉን” ክብሉ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ንዝተልዓለ ሕቶ መልሲ ሂቦም።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገማት ተፃዊሮም ልዑል ነጥቢ ንዘምፅኡ ተምሃሮ እነበረታተዐሉ ስነ- ስርዓት ሽልማት ምክያድ ዘለዎ ጥቕሚ ዘብራህርሁ ኮይኖም እዚ ንክሳኻዕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በጀት ብምፍቃድን ብምትሕብባርን ንዘርኣዮ ተበግሶ ኣመስጊኖም።
ንተሸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምትብባዕ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ኮይነን ናይ ትምህርቲ ስርዓትና ብናይ ውሽጥን ደገን ይፍተን ኣብ ዘለሉ እዋን ልዑል ነጥቢ ንዘምፅኡ ተምሃሮ ዘለወን ናእዳ ገሊፀን።
ትምህርቲ ንልምዓት ዘለዎ ኣገዳስነት ድሕሪ ምብርህራህ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሩ ግጉይ ርድኢታት ኣብ ምስባር ቁልፊ ተግባር እዩ ኢለን።
ትንተና ውፅኢት ተምሃሮ ዝምልከት ተወካሊ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲን ምዘናን ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ዶ/ር ኣረጋዊ ዘፈሩ ንዑዱማት ኣጋይሽ ቐሪቡ እዩ።
ኣብዚ ዓመት ከይዲ ፈተና ንክሳለጥ ኩለ መዳይ ሓገዝ ንዝገበሩ ኤጄንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፣ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ሰሜን፣ ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር ሰሜን፣ ቢሮ መጓዓዝያ ትግራይ፣ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ፣ ቤት ሕትመት ሜጋ፣ ኮሚሽን ፕላን ትግራይ፣ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባርን ሃፍቲ ትግራይ፣ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም፣ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት፣ ዩኒቨርስቲ መቐለ፣ ዩኒቨርስቲ ራያ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስክር ወረቐት ተበርኪትሎም እዩ።
ብተወሳኺ ድማ ብዝለዓለ ውፅኢት ተምሃሮ ዘሕለፋ ኣብያተ ትምህርቲ ሽልማት ምስክር ወረቐት ተበርኪትለን።
ጠቕላላ ተሸለምቲ ተምሃሮን በዝሒ ገንዘብን ዝምልከት ድማ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝሸለሞም እዞም ዝስዕቡ እዮም።
- ብሳልሳይ ብርኪ ዝተሸለሙ 72 ተምሃሮ ነብሲወከፎም 8000 ብር
- ብካልኣይ ብርኪ ዝተሸለሙ 46 ተምሃሮ ነብሲወከፎም 10000 ብር
- ቀዳማይ ዝወፁ 38 ተምሃሮ ነብሲወከፎም 12000 ሽሕ ብር
ብፍሉይ ድማ ብደቂ ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ንጓል ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ሓንቲ ላፕቶፕ ተሸሊማ እያ።
ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንደቂ ኣንስትዮ ንምትብባዕ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ብዝኣከቦ ገንዘብ እዞም ዝስዕቡ ሽልማት ኣበርኪቱ።
- ብሳልሳይ ብርኪ 23 ደቂኣንስትዮ ንነብሲ ነብሲወከፈን 12000 ብር
- ብካልኣይ ብርኪ 20 ደቂ ኣንስትዮ ንነብሲ ወከፈን 15000 ብር
- ብቀዳማይ ብርኪ 10 ደቂ ኣንስትዮ ንነብሲ ወከፈን 20000 ብር
ብፍሉይ ድማ ዝለዓለ ውፅኢት ንዘምፀአት ተምሃሪት ሰምሃል ጌታቸው 50 ሽሕ ብር ተሸሊማ።
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብወገና ላዕለዎት ብሉፃት ሰለስት ተምሃሮ ሸሊማ እያ።
- ሳልሳይ ንዝወፀት 10000 ብር
- ካልኣይ ንዝወፀት 15000 ብር
- ቀዳማይ ንዝወፀት 25000 ብር ሽልማት ተበርኪቱ እዩ።
