፡
ህዝቢ ኣገው ከም ማንም ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሃገሩን ዓዱን እኳ እንተተቐለሰ ክሳብ ሕዚ ግን ንዓመታት እናልዓሎም ዝፀንሐ ናይ መንነት ሕቶን ካልኦት መሰረታዊ ረብሓታትን ከምዘይተመለሰሉ ተወከልቲ ህዝቢ ኣገዉ ገሊፆም፡፡
ህዝቢ ኣገው ካብ ዘበነ ኣክሱም ጀሚሩ ክሳብ ምስረታ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ ነዛ ሃገር ዝከኣሎ መስዋእትን መቑሰልትን እናከፈለ ዝመፀ ህዝቢ እኳእንተኾነ ንቃልሲ ህዝቢ ኣገው ዝመጣጠን ምሕደራ መንግስቲ ከም ዘየለን መሰረታዊ ሕቶ ሕዝቢ ኣገው ከም ዘይተመለሰን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣገው ኣገው ኣይተ ግደይ ገብረክርስቶስ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ግደይ ነዙይ ዝገለፁ ሎሚ ዕለት 2 ግንቦት 2015 ዓም ኣብ ከተማ መቐለ “ቃልሲ ህዝቢ ኣገው ካበይ ናበይ?” ኣብ ዝብል ዝተሳለጠ መድረኽ ምይይጥ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ህዝቢ ኣገው ካብ መዋእሉ ጀሚሩ ክሳብ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዘካየዶም ቃልስታት ብሓፈሻ ዝተጠቐሰ ኮይኑ ካብቶም ዝተቓለሰሎም ቀንዲ ዕላማታት ንዓርሰ ምሕደራን ምኽባር መንነት ህዝቢ ኣገውን ከም ዝነበረ ብግልፂ ተዘትይሉ፡፡
እንተኾነ ግን ኣብቶም ዝበዝሑ ዓመታት ዝነበረ ቃልሲ ህዝቢ ኣገው ኣብ ኢትዮጵያውነትን ሃገራውነትን ርድኢት ዝተሞርኮሰ ቃልሲ ብምንባሩ ብማእኸላይ መንግስቲ እውን ንዓርሰ ምሕደራን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ኣገው ዝተወሃቦ ትኹረት ኣዝዩ ዝነኣሰ ምዃኑን እቶም ተወከልቲ ኣመራርሓ ሓቢሮም፡፡ ከምእውን “ህዝቢ ኣገው ኣብ ማሕበረ- ኢኮኖምን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዝተረኸቡ ረብሓታትን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም” ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡
“ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኩለን ክልላትን ህዝብታትን ሰላም ንምርግጋፅ እንተተደልዩ ፈደራል መንግስቲ መንነት ህዝቢ ኣገው ክኽብርን ዓርሱ ብዓርሱ ዝመሓደረሉ ኣከያይዳ ፈጢሩ ኣብ መዋሰንቲ ክልላት ዘላቒ ሰላም ክፈጥርን ይግባእ” ይብሉ ኣይተ ግደይ፡፡
እዚ ሕቶ መንነት ናይ መላእ ህዝቢ ኣገው ሕቶ ኮይኑ ብምፅንሑ “ሕዚ እውን ከም ካልኦት ህዝታት ኢትዮጵያ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ህዝቢ ኣገው ንምርግጋፅ ብሰላማዊ መንገዲ ቃልስና ክንቕፅለሉን ሓድነት ህዝቢ ኣገዉ ተጠናኺሩ ክቕፅል ግድን ይኸውን” ዝበሉ ድማ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣገው ኣይተ ባየ በሬ እዮም፡፡
ወይን
