Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ነኽብር!Mulugeta Gebregziabher, PhDህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ንላዕሊ ዝደልዬ ነገር የለን። ሰለዚ ሕርያና ግልፂ ይዂን፣ ሰላም ይኹን!!ሳላ ሰላም ንዓመታት (ዋላ ክንዲቲ ዝግብኦ ኣይኹን)፣ ህዝብና ብኹሉ መዳይ ዕብየትን ለውጥን ኣምፂኡ እዪ። እታ ቀንዲ ጉድለት ነቲ ሰላም እተውሕስ ዲሞክራሲያዊነት እያ።አነ ሕርያይ ሰላም፣ ውግንናይ ምስ ህዝቢ ትግራይ እዪ። ሰላሙ ሓሊና ዲሞክራሳውነትን፣ ዕብየተን ከረጋግፅ ነሓግዞ። ኣብ ዲያስፓራ ዘለና፣ ገቨርቲን ሓደግቲን ዋኒን ህዝቢ ትግራይ ኣይንኹን።

ግልፂ ንምግባር፣ ኣነ ውግንናይ ምስ ውልቀስባት ኣይኮነን። ትካላትን ውድባትን፣ እሞኸዓ ፀላእቲ ትግራይ ከጥፍእወን፣ ለይቲን ቀትርን ዘይድቅሱለን፣ ሪፎርም ክገብራ፣ ክመዓራረያ፣ እምቨር ክጠፍአ ኣይደልን።
ኮይኑ ግን፣ ኣብዘን ዘሓለፋ ኣዋርሕ፣ ብፍላይ ከዓ ለማቕነ፣ ገሊኦም ኣብ ዲያስፓራ ኮይኖም
1፣ ጉጅለ ፈልዬም ናይ ገለ ሰባት ስእሊ ፕሮፋይል እናገበሩ፣ ዘጀግኑ፣
2፣ በሉ ኣቢይ ይመፅእ ኣሎ እናበሉ ዝብድዑ
3፣ ካድረ በይንኻ ሰሓና እዛ ዂናት ዝብሉ ዘለዉ፣
ኣደብ ተዝገብሩን ልቦና እንተዘዕብዩን ፅቡቕ እዪ ይብል። ኲናት እንትለዓል ንኹሉ እዩ ዝጐድእ!
እቲ ዝገርም ገለ እዞም ሰባት፣ ኣብ ዝውንንወን ትካላትን ዝመርሕወን ውዳበታትን ቀንደኛ ኢዲሞክራሳዊያንን ዓፈንቲን እዬም።
1፣ ሰባት ጐጂሎም መፂኦም ኣጀንዳ ኣኼባ ብዕስለነት ክውሰን ዝገብሩ፣
2፣ ዘይተፃሕፈ ሕጊ ተጠቒሞም ስባት ዝእግዱን ዘባሩሩን፣
3፣ ናይ ሰባት ስራሕ ጉሒሎም ከምናይ ብሕቶኦም ጌሮም ዘቕርቡ፣ ዝሸጡ።
4፣ ፓለቲካዊ ኣጀንደኦምን ናይ ውልቀ ትካል ረብሐኦም ከሳልጡ ኣብኩሉ ጠብሎቕ ዝብሉ፣
5፣ ቤተሰብን ኣዕርኽትን፣ ኣኪቦም፣ ብዘይ COI disclosure (ነቲ ካልእ ኣባል ዝምድንኦም ከየፍለጡ) ተጐጂልካ ብደገ ተማኺርካ ኣብ ኣኬባን ካልእ ናይ ወለንተኛ ስራሕትን ውሳነ ምሃብ፣
6፣ ከምዚ ምግባር ኮንፍሊክት ኦፍ ኢንተረስት (COI) እዪ እንተበልካዬም፣ ዘይርድኦም።
7፣ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝዓይይ ትካል እናመርሑ፣ COI disclosure ዘይገብሩን፣ ነቲ ትካሎም ዝምልከት ዛዕባ እንትህሉ ርእሶም ዘየግልሉ (self recusal)። ንግቨር ኢሉ ኣሰራርሓ ዘተኣታቱ ዝኹንኑ፣ እሞ ገሊኦምስ ዓበይቲ ውዳበታት ትግራይ እናመርሑ።
8፣ ምስ መራሕቲ ትግራይ ይራኸብየ ዝብል ጉራ እናወዝዑ ሰብ ዘሰክፉ።
9፣ ኣብ ስራሕ ዘይተግሁ፣ ኣብ ወቀሳ ዝበልሑ።
10፣ አረ ክንደይ እሞ።
መጠቓሊ፣ እቲ ኣብ ዓዲ ዝርአ ዘሎ ምጉጅጃል ኣብ ዲያስፓራ እንተኾነ እውን ዝተከሃኑሉ እዩ።
መን እዩ ንመን ዝፀልዎ ዝብል ንመፅናዕቲ ይገድፎ። ተመጋጋቢ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ኣፃብዒትና ናብ ትግራይ እንተነወጣውጥ እተን ሰለስተ ናባና ከምዘወጣውጣ ንገንዘብ።
ዘይትፈልጥ ፍለጥ፣
ዘይሰማዕኻ ስማዕ።

NoMoreWars

Peace4Tigray

Note: this is my personal reflection and doesn’t represent any organization or institution that I’m affiliated with!
I focused on diaspora Tigray for today but I’ll also give my perspective on the leadership of Tigray!
@followers @highlight UMD Media Mulugeta Gebru Fitsum Beyene Getachew Assefa Kiros Araya Getachew K Reda Debretsion Gebremichael Amanuel Assefa Dimtsi Weyane Tigrai Television

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *