እቲ ቢሮ ኣብ ከተማ መቐለ ሕማም ኮሌራ ንምክልኻል ዝዓለመ መድረኽ ምስ ኣመራርሓ ወረዳታት ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘሳልጥ ዘሎ ኮይኑ ፤እቲ ሕማም እንተተራእዩ ኣብ ሓፂር እዋን ዝቐትል ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል እቲ ሕማም ኣፍልጦ ሒዙ ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ገሊፆም።
ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ሂዎት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ከምዝርከብ እዩ ተገሊፁ።
