Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ንዝተኻየደ ፅንተታዊ ኩናት ስዒቡ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉን ብድርቂ ንዝተጠቕዑን ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 67 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ኣበርኪቱ

ምስ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝነበሮ ርክባት ንምሕዳስ ብኣካል ይቕርታ ንምሕታት መቐለ ዝርከብ ጉጅለ ሉኡኽ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ወገናት እውን ሓገዝ ሒዙ መፂኡ እዩ ።

ብሰንኪ እቲ ፅንተታዊ ኩናት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ከም እውን ብድርቂ ንጥምየት ዝተቓልዑ ወገናት ምግቢ ኣፋውስን ካልኦት ናውትን ሎሚ ብሓገዝ ኣበርኪቶም ኣለው ።

ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲን ውልቀሰባትን ዝተለገሰ ኣቑሑት ፡ ምግቢ ተንከፍን ፡ ካልኦት ናውትን ብጥረ ገንዘብን ዝተለገሰ ብድምር 67.2 ሚልዮን ዝግምት ሙኻኑ ሸኽ ዶክተር ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝሓበሩ ኮይኑ እቲ ሓገዝ ምዝንግዑ ይቕሬታ ሓቲቶም ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሕውነታዊ ርክባት ምጥንኻር ወሳኑ ሙኻኑ ገሊፆም ።

ጉጅለ ሉኡኽ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ኣብ ጊዝያዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬ መቐለ ዑደት ብምግባር በቲ ፅንተታዊ ኩናት ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተመዛቢሉም ዘለው ወገናት ዘለውሉ ኩነታት እውን ብኣካል ንምዕዛብ ክኢሎም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *