ባይቶና ካብ ጥቅምቲ 17-18/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝፀወዖ ውድባዊ ጉባኤ ብልዑል ፅምብል ተዓጂቡ ብዓወት ተኸንቢቱ ኣሎ። ካብ ትግራይ ሙሉእን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለምናን ዝተፀውዑ ልዕሊ 700 ኣባላት ውድብና ኣብ ሰዓቶም ተረኺቦም ኣብ ሕገ-ደንቢን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ውድብና ዓሚቕን ውዑይን ተሳትፎ ብምግባር ኣፅዲቕዎ ኣሎ። ብዙይ መሰረት
፩. ውድብና ኣብ ናይ ትግራይ ፍልስፍና፣ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ መንነት፣ ስልጣነን ማእኸል ገይሩ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ምልኣተ ህዝቢ ዘሳትፍ Radical Democracy ቀንዲ መርኣይኡ ብምግባር ፖለቲካዊ ስነ – ሓሳቡ ሊበራል ዲሞክራሲ ክኾን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
፪. ባይቶና ስልጣነ መሰረት ዝገበረ (civilizational state) ዝመሰረታ ሃገረ ዓባይ ትግራይ ንምግሃድ ከምዝቃለስ ወሲኑ።
፫. ንዝቕፅሉ ዓመታት ንባይቶና ዝመርሑ እዞም ዝስዕቡ ኣመራርሓ መሪፁ:-
ሀ. ኣባላት መሪሕነት ብሄራዊ ባይቶ (21)
ፈፀምቲ ስራሕ
- ክብሮም በርሀ -ሊቀ-መንበር
- ዮሴፍ በርሀ -ምኽትል ሊቀ-መንበር
- ብርሃነ ንጉስ – ዋና ፀሓፊ
- ተስፋይ ንጉስ – ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ
- ኪዳነ ኣመነ – ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳይ
- እርምያስ ባራኺ – ርክብ ህዝቢ
- ክብሮም ተኽላይ – ውዳበ ሓላፊ
- ተስፋይ ገ/ተኽለ – ሓላፊ ፋይናንስ
- ሃይለኪሮስ ንጉስ – ሓላፊ ስትራተጂክ ፅንዓትን ምርምርን
. - መድሕን ታፈረ
- ርግኣት ገብረሂወት
- መሓሪ ይስፋ
- ኣስመላሽ ደስታ
- መብራህቱ ግተት
- ዮሴፍ ሃይለስላሴ
- ሃይለማርያም ግደይ
- ሃይለማርያም ማሞ
- ያሬድ ኣበራ
- ሓየሎም ገብረ
- ይርጋ ስዩም
- ክብሮም ደሳለኝ
ለ. ኣባላት መሪሕነት ኦዲት ክፍሊ (5)
- ተወልደ ታደሰ – ሰብሳቢ
- ጠዓመ ገብረመድህን – ምኽትል ሰብሳቢ
- ኪዳን ፍፁም – ፀሓፊት
. - ጠዓመ ዘማርያም
- ሙዑዝ ታደሰ
ኮይኖም ተሓርዮም ኣለው። ኩሎም ኣመራርሓ ስራሖም ብተኣማንነትን ብብቕዓትን ከምዝፍፅሙ ቃል ኣትዮም።
ንዝርዝር ሓበሬታ ውድብና ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዕላው ጋዜጣዊ መግለፂ ክህብ እዩ።
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ጥቅምቲ 19/2016 ዓ/ም
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ – ባይቶና National Congress of Great Tigray
