Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
አማርኛ ዜና
0

ሓፀርቲ ዜናታት ፣

★ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ክናገፍ መራሕቲ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ኣፅቢቦም ናብ ዓድና ክምልሱና ይግባእ ክብሉ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ገሊፆም።

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናብ መንበሪ ቦቶኦም ብዘይምምላሶም ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት መዕቖቢ ውሽጢ ዓድን ሱዳንን ዝርከቡ ተጋሩ ስቓዮም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋደደ ይቕፅል ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም።

★ ክረኽቡዎ ዝግባእ እቶት ሕርሻ ብፃህያይን ባልዓትን ከይባኽን ኣድላዪ ክትትልን ክንክንን ይገብሩ ከምዘለዉ ሓረስቶት ወረዳ ኣስገደ ገሊፆም።

ንዘራእቲ ዝግበር ክንክን ክሳብ መወዳእታ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ድማ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

★ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ዝተፀገሙ ወገናትና ብምሕጋዝን ባህሊ ምትሕግጋዝና ብምጥንኻርን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣብ ከተማ ዓዲጉደም ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ማይ ማዕገል ገሊፆም።

ኣባላት እታ ማሕበር ካብ ግዱሳት ወገናት ዘተኣኻኸብዎ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ/ም ን100 ዝተፀገሙ ክፋላት ማሕበረተሰብ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

★ ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋውን ሓጎስ ገ/ሂወትን ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋውን ሓጎስ ገ/ሂወትን ትማሊ ዓርቢ 3 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ብራስልስ 2024 ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

12 ደቒቓ 43 ሰከንድን 66 ማይክሮ ሰከንድን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም ዝወደአሉ ግዘ እዩ። ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት ድማ 12 ደቒቓ 44 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድን ወዲኢሉ።

ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ተዓዋቲ 30 ሽሕ ዶላር ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

★ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣብ ሓሙሽተ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ን500 ተምሃሮ ልዕሊ 500 ደርዘን ደፍተርን 750 ባኮ ብርዕን ኣበርኪቱ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣብ ሳፋሪ ኮም ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ሓላፊ ጕዳያት ወፃኢ ኣይተ መሓሪ ገ/ስላሰ ኣብ ዝሓለፈ ን16 ኣብያተ ትምህርቲ ላቶፕን ነፃ ዋይፋን ከምዝሃቡን : ሐዚ ድማ 500 ደርዘን ደፍተርን 750ን ባኮ ብርዕን ኣብ ዝተመረፃ ኣብያተ ትምህርቲ ማለት እውን ቤት ትምርቲ ዓይበቶ – ሕንጣሎ፣ ቤት ትምህርቲ ኪሮስ ገሰሰ – ኲሓ፣ ቤት ትምርቲ ወዲ ሽረ – ስላዋ፣ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት – ሓድነትን ቤት ትምህርቲ በዓቲ – ከተማ ዓዲ ግራትን ከም ዘካትት ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ንሕድሕደን ኣብያተ ትምህርቲ 100 ዝተፀገሙ ተምሃሮ ከም ዝኾነን ተወከልቲ እተን ኣብያተ ትምህርቲ እውን ዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ቀፃልነት ክህልዎ ተላብዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *