★ ብሰንኪ ኵናት ተዳኺሙ ዝፀንሐ ስርዓት ንግዲ ናብ ንቡር ንምምላስ ከምዝሰርሕ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤጀንሲ መደብ ኣፈፃፅማ ሕሉፍ ዓመት ብምግጋም ኣንፈት መፃኢ ዘቐመጠ እንትኸውን ምስ መሓውር ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዘትዩ።
ኣብ ሲሚንቶ ፣ነዳዲን ካልኦትን ንዝተርኣዩ ክፍተታት ብምእራም ናብ ትግራይ ዝኣቱ መጠን ነዳዲ ክውስኽ ብምግባርን ኣብ ፍትሓውነት ክፍፍል ድማ ትኹረት ገይሮም ከም ዝሰርሑ ገሊፆም ፣ ከም ሓበሬታ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ።
★ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ደቂ ስውኣት ንምሕጋዝ ዝግበር ፃዕሪ ኹሉ ትግራዋይ እጃሙ ከበርክተሉን ዝያዳ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት ሽረ እንዳስላሰ ብተበግሶኦም ብዘዋፅኡዎ ገንዘብ ዝተዓደጉ ናውቲ ትምህርቲ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ 130 ደቂ ስውኣት ብሓገዝ ተኸፋፊሉ ኣሎ።
★ ኣብ ፅቡቕ ዕቤት ዘሎ ዝራእቶም ብባልዓትን እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብን ከይባኽንን ከይጥቃዕን ብእዋኑ ይእክቡ ከምዘለው ሓረስቶት ወረዳ እምባ ኣላጀ ገሊፆም።
ምምሕዳር እታ ወረዳ ብግዲኡ ዝባፅሑ ዝራእቲ ንምእካብ ኣብ ዝግበር ርብርብ ተምሃሮ ፣ ሓይልታት ፀጥታን ዘሳተፈ ወፍሪ ንምክያድ ምድላዋት ይዉገን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
★ መናእሰይ ንዝሓሸ ናብራ ኢሎም ዝመርፅዎ ዘለው ዘይሕጋዊ ስደት ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት የቃልዖም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እዚ ኩነታት በዚ እንተቐፂሉን መዕለቢ እንተዘይተገይርሉን ሓደግኡ ዝኸፍአ ከምዝኸውን ማዕኸን ዜና BBC ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ገሊፁ።
★ ክልተ ዓመታት ዘቑፀረ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ሐዚ እውን ካብ ሰላሕታዊ ፅንተት ከድሕነና ኣይከኣለን ክብሉ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣዕቑቦም ዝርከቡ ተመዛበለቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም።
ፀገማትና ክብቅዑ እንተኾይኖም ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ትኹረት ሂቦም ናብ መረበትና እንምለሰሉ ኩነታት ክፈጥሩ ይግብእ ክብሉ ድማ ፀዊዓም ኣለዉ
