★ ኣብ ትግራይ ብዝተኸፈተ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ከቢድ ጥሜት ዓፀባ ከምዘጋጠመን ሂወት ብርክት ዝበሉ ወገናት ይሓልፍ ከምዘሎን ኣባላት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣይተ ዶሪ ኣለም ሰገድን ወይዘሪት ብርኽቲ ሃይለን ተዛሪቦም።
ህዝብና ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ንምድሓን 10 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ንተወ ብዝብል መፀውዒ ሽም ዓብይ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ከምዝሳለጥ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ኩሉ እጃሙ ከበርክት እውን እቶም ኣባላት ፃውዒት ኣቕሪቦም።
★ ውዝፍ መሃያ ዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ብዘይምውሃብና ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቕና ንርከብ ኢሎም ወሃብቲ ርእይቶ ሰራሕተኛታት መንግስቲ።
ነዚ ኩሉ ፀገማት ተፃዊሮም ጉቡኦም ይፍፅሙ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ሕዚ እውን እንተኾነ ላዕለዎት መሪሕነት ትግራይ ኣብ ሞንጎኦም ኣጋጢሙ ዘሎ ኣፈላላይ ብዘተ ፈቲሖም ሕቶ ህዝቢ ክምልሱ ይግባእ ኢሎም።
★ ውዕሊ ፕሪቶረያ ከፍፀም ብቐዳምነት ሰላምን ምርግጋፅ ውሽጣዊ ሓድነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እዚ ዝገለፁ ነበርቲ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ከተማ ሰለ እንትኾኑ ህዘቢ ትግራይ ካብ ሰላም ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የብሉን ብምባል ኩሎም ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይ ክማልኡ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ሓድነትን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።
★ ብሰንኪ ምብልሻው መንገዲ ንማሕበረ ቑጠባዊ ፀገማት ንሳጣሕ ኣለና ክብሉ ነበርቲ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው መረረቶም ኣስሚዖም።
እቲ ፀገም ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተወለድትን ተሓጋጊዙ ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ምምሕዳር እታወረዳ ኣፍሊጡ ኣሎ።
★ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ዝሳለጥ ዘሎ ኣብ ዓንዲ ዘራእቲ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ምስሳን ምህርቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/2017 መፍረይነት ንምዕባይ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2017/2018 ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕሮጀክት ምንካይ ፅዕንቶ ስደተኛታት ወረዳ ኣስገደ ኣፍሊጡ ኣሎ።
