★ ኣብ ከባቢና ብዝረአ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣተኣላልያ ጓሓፍ ንዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ፀገማት ንሳጣሕ ኣለና ክብሉ ነበርቲ ከተማ ማይጨው ጣብያ 01 መረረቶም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ተዛሪቦም።
ነዚ ፀገም መፍትሒ ክግበረሉ ብተደጋጋሚ ዘቕረብናዮ ጥርዓን እውን ብዝምልከቶ ኣካል መፍትሒ ክረክብ ኣይከኣለን ክብሉ እዮም እቶም ነበርቲ መረረቶም ዘስምዑ።
★ ለምዘበን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ዘሎ ዝራእቲ ብዝተወደበ መንገዲ ብእዋኑ ንምእካብ ድልዋት ኢና ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ገሊፆም።
ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ከም ዝተሸፈነ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
★ ነባርነቶም ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ – ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾኑ ጉዱስ ትግራዋይ ኣይተ ፀጋይ ካሕሳይ ንመተስከሪ ወላዲቶም ዝመደብዎ 300 ሽሕ ብር ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከቡ ወገናት ብመንገዲ መንበረ ሰላማ ክውዕል ኣረኪቦም።
እቶም ጉዱስ ወገን ንቲ ገንዘብ ንመንበረ ሰላማ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ፀገም ናይ ኩሉ ትግራዋይ ምትሕግጋዝ ከምዝጠልብ ሓቢሮም።
★ ብሓዱሽ ቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ዝዘርእዎ ኩታ ገጠም ኣባይ ዓሌት ስርናይ ኣብ ሰናይ ዘበሃል ፍርያት ዝህበሉ ብርኪ በፂሑ ከምዘሎ ሓረስቶት ወረዳ እንዳ መኾኒ ጣብያ መኻን ገሊፆም።
ሓረስታይ ትግራይ ካብ ባህላዊ ኣተሓራርሳ ወፂኡ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ መፍረያይነቱ ንምድንፋዕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ድማ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
★ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ምኽታት ድሒረን ኣብ ዘለዋ ከባብታት ዝምልከቶ ኩሉ ብምስታፍ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከም ዝሓትት ተገሊፁ።
ዋኒን ትምህርቲ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ከምዝሓትትን ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም መድረግቲ ኣካላት ተጣሚርካ ምስራሕ ከም ዝደልን ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ብብርኪ ወረዳ ክምዝገብ ካብ ዝግበኦ 15,995 ተምሃራይ ዛጊድ 11,587 ተምሃራይ ጥራሕ ተመዝጊቡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከብን ተመዚጊቡ ዘሎ ትሑት ቑፅሪ ናብቲ ዝሓዝናዮ ሸቶ ንክመፅእ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብን በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ልዑል ምዃኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣይተ ዝናቡ ኣለ ተዛሪቦም።
