★ በዓል መስቀል እንትነኽብር ሰላምናን ሓድነትናን ብምጥንኻርን ዓርሰ ምትሕግጋዝና ዝያዳ ብምብራኽን ክኸውን ከምዝግባእ መራሕቲ ሃይማኖት ገሊፆም።
ፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ኣፈላላዮም ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብምእላይ ረብሓ ህዝቢ ከቐድሙን ናብ ሰላምን ልምዓትን ክመርሕዎን ከምዝግባእ እውን እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሓቢሮም ኣለዉ።
★ ዩኒቨርሲቲ ራያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተፈቲኖም ዝሐሸ ውፅኢት ካብ ዘምፅኡ ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ትግራይ 30 ብሉፃት ተምሃሮ ሙሉእ ወፃኢኦም ሸፊኑ ንምምሃር መፍለዪ ፈተና ኣካይዱ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝፈጠሮ ዕድል ኣብ ምፍራይ ብቑዓት ተምሃሮ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ድማ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ዝኾኑ ተምሃሮ ኣፍሊጦም።
★ ኩለ መዳያዊ ሃሰያን ቅልውላውን ገጢሙዎ ዘሎ ህዝብና ዝሐሸ ግልጋሎት ብምሃብ ፀገማቱ ኣብ ምፍታሕ እጃምና ክንፍፅም ይግባእ ክብሉ ዘዘራረብናዮም በብብርኩ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ገሊፆም ።
ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ከይፍትሑ ቐንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዕማማት ውድብን መንግስትን ኣነፂሮም ትግራይ ትጠልቦም ዋኒናት ክዕወቱ ይግባእ ኢሎም።
★ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ፅሬቶም ቆላሕታ ሂብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ተሓቢሩ።
እቶም ፕሮጀክትታት ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ከም ዝስርሑ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።
ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብልዕሊ 800 ሚልዮን ክሰርሖም ዝሓሰቦም ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እታ ከተማ ዘትዩ ኣሎ።
★ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተስፋሕፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።
እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ ሓበሬታ ዛጊድ ኣብ 28 ወረዳታትን ከተማታትን ከምዝተርኣየን ክሳብ ትማሊ15 መስከረም 2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን በቲ ሕማም 532 ሰባት ከምዝተጠቑዑን ህይወት 11 ሰባት ድማ ከምዝሓለፈን ገሊፁ።
ሕብረተሰብ ሓደጋ እቲ ሕማም ብዝግባእ ተረዲኡ ጥንቃቐ ክገብርን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእሉ መንገድታት ከተግብርን ድማ እቲ ቢሮ ፀዊዑ።
