Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓፀርቲ ዜናታት ፣

★ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ 135 መናእሰይ መሬት ብመጠሻ ከምዝተዓደሉ
ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ሓቢሩ ።

ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ከምዝገለፆ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ጣብያ ማይ ፀዶ ቁሸት ዲግዲግታ ን59 መናእሰይ ከምኡ’ውን ኣብ ቁሸት እምባ ፍቃዱ ን76 መናእሰይ ብሓፈሻ ን135 መናእሰይ 140 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መጠሻ ከም ዝተዓደሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ክፍለ ከተማ ኩሓ ኣይተ ደስታ ሃይሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ዕደላ መሬት ን 7 ስድራ ስዉኣት ካብ ዕፃ ወፃኢ ከም ዝተዓደሉ እቲ ሓበሬታ የመላኽት ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ሓቢሩ ።

★ ኣብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ብዘሎ ዘይምዕሩይ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንዝተፈላለዩ ፀገማት ይቃልዑ ከምዘለዉ ተገልገልቲ ገሊፆም።

ምምሕዳር እቲ ሆስፒታል ብግድኡ ኣብ እዋን ኵናት ዝበፅሐ ከቢድ ዕንወትን ብርሰትን ስዒቡ ዝተፈጠረ ፀገም ምዃኑ ብምሕባር ነዚ ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ኣብ ምምላእ ናውትን መሰረተ ልምዓትን ጠመተ ተገይሩ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

★ ኮሚቴ ምክልኻል ድርቂ ወረዳ ጉሎ መኸዳን ዛላኣንበሳን ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ መነባብሮ ንዝርከቡ ወገናት ብር 20 ሚልዮን ደገፍ ኣበርኪቱ።

እቲ ኮሚቴ ካብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ወረዳ ጉሎመኸዳ ንዝተውፃእፅኡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ወገናት ኣብ ከተማ ፋፂ መበል ሳልሳይ ዙር ዕላዊ ስነ ስርዓት ምዕዳል ኣሳሊጡ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ድርቂ ወረዳ ጉሎ መኸዳን ዛላኣንበሳን ኣይተ ክብርኣብ ገብረሚካኤል ከም ዝገለፅዎ ካብ ፈተውትን ተወለድትን ዝተረኽበ ሓገዝ ብር 20 ሚልዮን ን6670 ወገናት ኣብ ምክፍፋል ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

★ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ከም ህዝቢ ንብሄራዊ ረብሓና ጠጠው ክንብል ይግባእ ኢሎም መሁራንን ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካን።

ሐዚ ዝረአ ዘሎ ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ንህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ህዝቢ ዘሳተፈ መፍትሕታት ምንዳይ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ተመላኺቱ ኣሎ።

★ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከቡ ልዕለን ትሕተን ቅርፂ ኣገረምቲ ቅርስታት ታሪካዊነቶም ከይሃስስ ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣክሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ጥንታውያን ታሪካውያንን ቅርስታትን ሓድግታትን መግለፂ መንነት ስልጣነ ጥንታውያን ደቂ ትግራይ ኣክሱማውያን ስለዝኾኑ፤ታሪካዊነቶም ከይሃስስ መራሕትን ሙሁራትን ሕብረተሰብን ዝያዳ ዝተዋደደ መነቓቕሒ ስራሕ ምስራሕ ከም ዘድሊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣክሱም ኣተሓሳሲቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *