★ ህንፀት መንገዲ ግራዳንደር -እንዳሞሳ ልዕሊ 88 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተሓቢሩ።
ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ህንፀቱ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መንገዲ ግራዳንደር – እንዳ ሞሳ ዑደት ዘሳለጡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ከም ዝገለፅዎ፤ ምዕሩይ መንገዲ ብዘይ ምንባሩ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ይቃላዕ ከምዘሎ ብምግላፅ እቲ ስራሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተዛዚሙ ስሩዕ ግልጋሎት ክህብ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ከም ዝርከብ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ፕሮጀክት ማናጀር መንገዲ ግራዳንደር -እንዳ ሞሳ ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃ ኪሮስ ከም ዝሓበርዎ 21 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ዝሽፍን ህንፀት እቲ መንገዲ 88 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐን ብፅፈትን ፅሬትን ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ሓቢሩ ።
★ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክትሰጋገር ዝኽእል ብፍልጠትን ጥበብን ዝምራሕ ፖለቲካዊ ለውጢ የድልያ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊፆም።
ዝኾነ ትግራዋይ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ ይሃልዎ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሓደ ኾይኑ ፖለቲካ ትግራይ ከዕርን ንኹሉ ትግራዋይ ዝሓቆፈ መንግስቲ ክህሉ ክሰርሕን ይግባእ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
★ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ፀባን ኣብ ምጥንኻር ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉን መዳርግትን ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ኣብ ልምዓት ፀባን ምርባሕ እንስሳን ዝተዋፈሩ ነበርቲ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ገሊፆም።
ብሰንኪ እቲ ዝበፅሐ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ፀባን ኸቢድ ማህሰይቲ ከምዝበፅሐ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
★ ኣብ ውሽጢ ከተማ እናነበርና ከተመታይ ክረኽቦ ዝኽእል ግልጋሎት መሰረተ ልምዓት ኣይረኸብናን ክብሉ ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ ባዶ ክልተ ገሊፆም።
ተወከልቲ ማሕበረሰብ ቀበሌ ባዶ ክልተ ፍሉይ ሽሙ ከባብታት ጎልዓ ከም ዝሓበርዎ ዝነብርሉ ከባቢ ናብ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ካብ ዝኣቱ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዋላ እንተቑፀረ፤ ትሕዝቶ ዋንነት መሬት ከምዘይተረጋገፀሎም፣ዝርገሐ መብራህቲ ከምዘይተኣታተወሎም፣ ቀረብን ዝርገሐን ፅሩይ ዝስተ ማይን መንገድን ፀገም ከም ዘለዎም ገሊፆም።
ተወከልቲ ኮሚቴ ከባብታት ጎልዓ እዚ ዝገለፁ ምስ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ኣብቶም ዝተገለፁ መሰረታዊ ሕቶታት ማእኸል ገይሮም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን እዩ።
★ ሕብረተሰብ በቢግዚኡ ንሞት፣ መጉዳእቲ ኣካልን ካልኦት ዓበይቲ ማሕበረ-ቑጠባዊ ፀገማትን የቓልዕ ካብዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ዓርሱ ክከለኻልን ንደንቢ ትራፊክ ዝጥሕሱ ገናሕቲ እንትዕዘብ ንኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ሓበሬታ ክህብን ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ በዓል ሞያ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ ምኽትል ኢንስፔክተር ጎይትኦም ገብረመድህን ኣብ ትግራይ እቲ ሓደጋ ይውስኽ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም በዓል ሞያ እዚ ድማ ብቐንዱ ንደንቢ ትራፊክ ብምጥሓስ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ተዛሪቦም።
