Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሓፀርቲ ዜናታት ፣

★ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህልውንኡ ዘቅንዑ ኩሎም ተፃብኦታት ብሳላ ሓያል ሓድነቱ እናመከተ ህላውኡ ዘውሐስ ህዝቢ እዩ ክብሉ ሪኢቶኦም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ዝሃቡ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ገሊፆም።

ሓድነትና ዝሽርሽሩ ተርእዮታት ብምእራም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንክፍትሑ ሰላማዊ ቃልስና ክነሓይል እውን ፀዊዖም።

★ ህዝቢ ወረዳታት ፀለምቲ፣ ላዕላይ ፀለምትን ከተማ ማይፀብርን ብወረርቲ ሓይልታት መዓልታዊ ግፍዕታት ይበፅሖም ከምዘለዉ ኣመራርሓ እተን ወረዳታት ንድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፆም።

ኣብተን ወረዳታት ዝርከቡ ተምሃሮ በቋንቆኦም ክምሃሩ ከምዘይኽኣሉን ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ትምህርቶም ገዲፎም ናብ ከተማታት ሽረን እንዳባጉናን ከምዝተመዛበሉ እውን ተሓቢሩ።

★ ህዝቢ ከተማ ፍረወይኒ ምስ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ትኩእ ትማሊ 17 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም ።

ኣብቲ መድረኽ ህዝቢ ከተማ ፍረወይኒ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዘቕረቡ እንትኾን ሕርያና ሰላም እዩ፤ ውዕል ፕሪቶርያ ድማ ዘይንደራደረሉ መስመር ስለዝኾነ ግዝኣታዊ ሓድነት ክኽበርን ሰላም ክዕቀብን ንጠልብ ኢሉ።

ሰፊሕ ፀገም መስተ ማይን መብራህትን ስለዘለና ፍታሕ ይናደየልና፣ ኣብ እዋን መኸተ ዝተጥፋእፍአ ክግምገም ሕጋዊ መስርሕ ብምዝርጋሕ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ፤ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ክመቻቸውን መጠሻ መናእሰይ ክወሃብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ፍትሒ ምጉዳል ስለዘሎ ስርዓት ተሓታትነት ክሰፍን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ርኢቶኦም ዘቕረቡ እቶም ተሳተፍቲ፣ኣብ ኣካላት ፍትሕን ፀጥታን ዘሎ ዘልማዳዊ ኣካይዳ ብምፍታሽ ክስተኻኸልን ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር መስርሕ ተኸቲልኩም ናይ ተግባር ሰባት ክትኾኑ ኣለኩም ኢሎም።

★ ዝባፅሑ ዝራእቶም እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ከይባኽንን ከይበላሸውን ብዝግባእ ይእክቡ ከምዘለዉ ሓረስቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ገሊፆም።

ምምሕዳር እታ ወረዳ ብግዲኡ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ከተማ ዝነብሩ መናእሰይን ሓይልታት ፀጥታን ዝሳተፍሉ ሓባራዊ ወፍሪ ዓፂድ ንምክያድ ምልዕዓል ይካየድ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

★ ኣብ ወረዳ ስላዋ ንተመዛበልቲ፣ ንስድራ ስውኣትን ፅጉማት ወገናትን ሓገዝ ተበርኪቱ።

ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ወረዳ ስለዋን ወለንታውያንን ፈታውን ስለዋ ተወላዲ ከተማ ሽረ ኣይተ ኣሕመድ ሓሰን ኣሕመድ ን250ን ስድራ ስውኣትን ንተመዛበልትን ወረዳ ስለዋ ንሕድሕድ ብር 2000 ከምኡ እውን ን300 ፅጉማት ስድራ ስውኣት ተምሃሮ 1800 ደፍተርን 300 ብርዕን ንሕድሕድ ተምሃራይ ሽዱሽተ ደፍተርን ሓደ ብርዕን ሓገዝ ኣበርኪቶም።
እቲ ብገንዘብን ብናውቲ ትምህርትን ዝተበርከተ ሓገዝ ብድማር ብር 650 ሽሕ ከም ዝኾነን ኣብዚ ሕዚ ብርክት ዝበለ ዝተፀገመ ማሕበረሰብን ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ እውን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምእታው ዝፅገሙ ተምሃሮ ስለዘለዉ ነዚኦም ንምሕጋዝ ኩሉ በብዓቕሙ ክዋሳእ ይግባእ ዝብል ፃውዒት ቀሪቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *