★ መንእሰይ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንኸቢድ ማሕበራዊ ፣ ስነ ልቦናውን ቕልውላው ተሳጢሑ ይርከብ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተማራማራይን ዶ/ር ሰለሞን ኣበራ ገሊፆም።
ዶ/ር ሰለሞን አበራ ነዚ ዝበሉ ብማሕበር መናእሰይ ትግራይን ሙሁራት ዩኒቨርስቲ መቐለን መናእሰይ ድሕሪ ኩናት ዘለዉሉ ኩነታት ትኹረት ገይሩ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ።
★ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ሰላም ሓድነትን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየእትውዎ፤ ዘሎ ኣፈላላይ ብምርድዳእን ብዝሰልጠነ መንገድን ክፍታሕ ይግባእ ኢሎም ነበርቲ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ።
እዚ ዝርኣ ዘሎ ዘይምቕድዳው ንህዝቢ ትግራይ እውን ሕማቕ ታሪኽ ከይኸውን ማእኸሎም ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ገይሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
★ አብወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ደርነፀብ መፍረይነት 2016/17 ዓ/ም ዘሎ ምሉእ እታዎት ሕርሻ ብምጥቃም ዝተዘርአ ሕርሻ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ምብፅሑ ተገሊፁ።
አብ ዝራእቶም ክንክን እናገበሩ ዝረኸብናዮም ሓረስቶስ ጣብያ ደርነፀብ ቁሸት ባውከ መፋስስ ማዊ ከምዝበልዎ ከብቲ ዛሓለፈ ዓመት ናይ ሎሚ ዘበን ካብ ብአጉኡ አላሳሊስና ኮምፓስና አዳሊናን ብዝተውሃበና ሙሩፅ ዘርኢ ተጠቂምና ኩታ ገጠምንብመስመር ዘሪኢና ኢና።እታወታት ብምጥቃም እቲ ዝረአ ዘሎ አዝመራ እዪ ኢሎም።
ከም ሕፅረት ዝበልዎ ከም ጣብያና ናይ ሙሩፅ ዘርኢ ንሕፅረት ፀረ ባልዕን ቀረብ ከምዘየለ ንቀፃሊ ክቐርብ ከምዝግቦኦ ብተወሳኺ እውን ናይ ከረምቲ ማይ እናተፀበና ካብ ምልማዕ ወፂና ናይ መስኖ ስራሕቲ ብምስራሕ መናባብሮና ክናማሓይሽ እናሰራሕና ኢና ግን እቲ ናይመስኖ ስራሕቲ ንምስላጥ ናይ ማይ ሕፅረት ሰለዘሎ ንዚ ዝፈትሕ ስራሕቲ ክሰረሐልና አለዎ ኢሎም።
★ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣካላት ካብ ውጥጥን ምትሕልላኽን ወፂኦም አፈላለዮም ብዝሰልጠነ ኣገባብ ክፈትሑን ረብሓ ህዝቢ ከቐድሙን ይግባአ ክብሉ ድወት ዘዘራረቦም ወገናት ገሊፆም።
ሓድነት ዝሽርሽሩ ተርእዮታት ህዝቢ ዓገብ ክብሎም እውን እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ይገልፁ።
★ ስራሕቲ ልምዓት ዕዉት ንክኾኑ ብፅሒት ኩሉ ኣመራርሓን መድረግቲ ኣካላትን ዓብዩ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጨዉ ምስ መድረግቲ ኣካላት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ስራሕቲ ልምዓት ዕዉት ንክኾኑ ብፅሒት ኩሉ ኣመራርሓን መድረግቲ ኣካላትን ዓብዩ ብምዃኑ ኣብ መፃኢ በጀት ዓመት ፍርቂ ቢልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ከም ዝተለመ ገሊፁ።
