ብምትሕብባር ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ኣብ ኮምፕረንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ሕክምና ፍትሕን ስነ-ልቦናን ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ተዋሂቡ ።
እቲ ሓገዝ ካብ ግዱሳት ዲያስፖራ ትግራይ ዝተረኸበ ኮይኑ ግዳይ ፃታዊ ዓመፅ ንዝኾና ሓደ ሚኢትን ዓሰርተ ሓደን ደቂ ኣንስትዮ ንሕድሕደን 5 ሽሕጨብር ተሓጊዘን ።
እቲ ብሓልዮት ትካል ገባሪ ሰናይ ኣይስ / EYES ኣቢሉ ዝተውሃበ ሓገዝ ዋና ስራሕ መካየዲ ኣይተ ብስራት መስፍን ትግራወይቲ ኣዶ ተቐኒታ ትቃለስ እንበር ኣይትምብርከኽን ዝበሉ እንትኾኑ እቲ ካብ ኢንስቲዩት ግሎባል ሲስተርስ ሁድ ትግራይ #TSGI ዝተረኸበ ሓገዝ ብር 555 ሽሕ ምዃኑ ብምግላፅ ንዝተረኸበ ሓገዝ ብምምስጋን እተን ግዳያት እግሪ ክሳብ ዝተኽላ ቀፃሊ ክኸውን ድማ ተላቢዮም ።
ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/እግዚሄር ብወገነን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ምሕጋዝ ስድራ ቤት ሙሉእ ምሕጋዝ ብምዃኑ ዳያስፖራ ትግራይ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ንቡር ናብርአን ተመሊሰን ሰሪሐን ዓርሰን ክሳብ ዝኽእላ ደገፎም ቀፃሊ ንኽኸውን ተላብየን ።
እተን ደገፍ ዝረኸባ ወገናት ብግዲአን ሓገዝ ብምምስጋን ዳያስፖራ ትግራይ ምስ ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ብዘላቒ ሰሪሐን እግሪ ክተኽላሉ ዝኽእላ መንገዲ ክፍጠር ደገፍ ክግበረለን ሓቲተን ።
TigraiTv
